- Видео 242
- Просмотров 164 569
መገዲ ህይወት
Швеция
Добавлен 5 июн 2012
እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ መኣዝና ዝኾነት እምነት፡ ካብቲ ዝተሃንጸትሉ ምህሮ ነብያትን ሃዋርያትን ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይትዘብል ንምሕላው ናይዛ ብርዒ እዚኣ መሰረታዊ ዕላማ እዩ። መሰረተ እምነት ደኣ ንልምድን ባህልን ሕብረተሰብ ይቕይር እምበር፡ ልምድን ባህልን ንመሰረተ እምነት ክቕይሮ ከምዘይግባእ ትጣበቕ። እቲ ነብያት ዝተነበይዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ድማ ብግብሪ ዘርኣየና ህይወት፡ ኣቦታትና ሃዋርያት ከኣ ዝሰበኽዎ ምህሮን እምነትን ክርስትና ከምዘለዎ ተዓቂቡ ክቕጽል ምእንቲ፡ ስለ ሓቂ ንሱ ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ንበይኑ መድሕን ዓለም ምዃኑ ንምምስካር ደው ክትብል ዝመረጸት ብርዒ እያ። ንምእመናን መንፈሳዊ ምዕዶ፡ ትምህርትን መጠንቀቕታን ንምሃብ፡ እዋናውን ኣገዳስን ዝበለቶም ዛዕባታት ብምምራጽ ንኣንበብታ ተቕርብ። ንእምነትን ናብራን ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐርብ ሕቶ ንምምላስ ትጽዕር፡ ኣብ ምምዕባል ስነጽሑፍ ትግርኛ ድማ በዚ መዳይ እዚ ብዝዓቕማ ፍሉይ ቅዲ ኣጸሓሕፋን ኣዘናትዋን ንምስፋሕ ትጽዕር። ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ፡ ንሕና ባሮቱ ድማ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና!
ዕዮ ገዛ ቍ4 ጥምቀት ንስርየት ሓጢኣት፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ፧
ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተመቓቒሎም ነተን ቀዳሞት 3 ኤኮመንያውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ዘጽንዑ ዘለዉ፡ ዝሃብዎ መልሲ።
Просмотров: 54
Видео
መጽናዕቲ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን_Part_5_20250109 ጉባኤ ኤፌሶን
Просмотров 13313 часов назад
ጉባኤ ኤፌሶን ኣብ ዓመተ 431 ዝተጋብአ እዩ። ሎሚ ኣብ ዝነበረና መደብ፡ ድሕሪ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ክሳዕ ጉባኤ ኤፌሶን ዝተሓልፈ ህይወት ከመይ ይመስል ምንባሩ ከም ድሕረ ባይታ ብምርኣይ፡ ንጉባኤ ኤፌሶን ዳሲስናዮ ኣለና። እንሆ በረከት!
ሳልሳይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ እተብ ቀዳሞት ሰለስተ ኤኮመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን
Просмотров 1299 часов назад
ኣብ ሰረተ እምነት፡ ጽኑዕን ዘየወላውልን መትከል ምህላው ማለት፡ ቤትካ፡ ኣብ ከውሒ ከም ምስራት እዩ። ዝነፈሰ እንተነፈሰ፡ ወይ ከ ፈተኽ! ዝወሓዘ እንተወሓዘ፡ ወይከ ንቕንቕ! ዝዘነመ እንተዘነመ ድማ፡ ከመዮ ደቂ ቆራሕ ዝዘመርዎ፡ ምድሪ’ውን እንተተገልበጠት፡ ”ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ። ኣምላኽ ያእቆብ እምባና እዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከላ አሎ፣ ኣይክትናወጽን እያ” ወዘተ እናበልካ፡ ጉዕዞኻ ብዓወት ምዝዛምን ክሳዕ ሞት እሙን ምዃንን ዘኽእል፡ ጥበብ ኣምላኽ እዩ። እቶም ኣብዚ መጽናዕቲ'ዚ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣርባዕተ ጉጅለታት ናብ ዝጸሓፍዎ መልሲ ክንሓልፍ።
ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኤኮመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን
Просмотров 8412 часов назад
ነቲ ወትሩ ሓሙስ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ምስቲ ብተሳተፍቲ ዝቐርብ መልሲ ንዕዮ ገዛ ኣዛኒቕካ ምስማዕ፡ ዝበለጸ ኣፍልጦ ንኽህልወካ ሓጋዚ እዩ።
ቦኽሪ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ፡ እተን ቀዳሞት 3 ኤኮመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን
Просмотров 14712 часов назад
ወትሩ ሓሙስ ሰዓት 21.30 በቈጻጽራ ሽወደን ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለ ተመቓቒሎም እዮም ዝሳተፉ ዘለዉ። እቲ መጽናዕቲ ሓባራዊ ኰይኑ፡ ብዕዮ ገዛን ብሓባራዊ ትምህርትን ተዛኒቑ ይወሃብ። ምሉእ ስእሊ ንምርካብ፡ ንመልስታት እቲ ዕዮ ገዛን ንትሕዝቶ እቲ ትምህርትን ምክትታል ወሳኒ እዩ።
እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኤኮመንያውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን፡ Part_4_20250102_ድሕሪ ኒቅያ ክሳዕ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ
Просмотров 31116 часов назад
ኣብ ዓመተ 325 ጉባኤ ኒቅያ ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓመተ 381 ድማ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ተኻየደ።
ሕሩይ ብህሎታት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ካልኣይ ክፋል
Просмотров 271День назад
ኣብ ዓመተ 2024፡ ሕሩይ ኣቦ ተባሂሎም ዝተመርጹ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ እንሆ ንወርሒ መመላእታ በብዕለቱ ኣብቲ ዝጠዓመ፡ ገለ ካብ ብህሎታቶም ከነቕርበልኩም ምጽናሕና ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብጽሑፍ ዘቕረብናዮ ብድምጺ ነቢብና'ውን ነቕርቦ ኣለና፡ ሰናይ ምክትታል!
ሕሩይ ብህሎታት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ቀዳማይ ክፋል
Просмотров 197День назад
ናይ ዓመተ 2024 ሕሩይ ኣቦ ክዀኑ ብምርጫ ዝተዓወቱ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ብተረካብ ዘረባኦም ልሉይ ኣቦ እዮም። ኣብዚ ወርሒ'ዚ ንገለ ካብ ብህሎታቶም ብጽሑፍ ክግለጽ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ንዝያዳ ምስትምቓር ድማ እንሆ ኣብ ሰለስተ ክፋል መቓቒልና ከነቕርበልኩም ኢና።
እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኤኮመንያውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን፡ Part_3_20241226_ጉባኤ ኒቅያ
Просмотров 58514 дней назад
ኤኮመንያዊ ጉባኤ ኒቅያ ከመይ ነበረ፧
እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኤኮመንያውያን ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን_ Part_2_1243840102
Просмотров 34721 день назад
ዝሓለፈ ሰሙን ሓፈሻዊ መእተዊ ጌርና ኔርና። ሎሚ ድማ ካብ ዘመነ ሃዋርያት ክሳዕ ዓመተ 324 ንዝነበረ ኵነት ዝድህስስ ሸፈነ ጌርና ኣለና። ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ዝመጽእ ሰሙን፡ ነታ ቀዳመይቲ ጉባኤ ኒቅያ ክንምሃራ ኢና!
Glasolalia- ኦርቶክሳዊ ጠመተ ኣብ ምዝራብ ቋንቋታት (ብልሳን ምጽላይ)
Просмотров 42421 день назад
"ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ንግላሶላልያ ማለት ንምዝራብ ቋንቋታት (ብልሳን ምጽላይ) ኣይትዅንኖን እያ" ይብሉ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ ካህን። እንታይ ደኣ ትገብሮ፧ ቢሉ ንዝሓትት እንሆ እቲ መልሲ። እዚ ዝስማዕ ዘሎ ጽሑፍ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ኣንፊ ብልሒ ካብ ዘለዉ ጽሑፋት እዩ።
እተን ቀዳሞት 3 ኤኮመንያዊ ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን_Part_1_20241212_ ሓፈሻዊ መእተዊ
Просмотров 35328 дней назад
ጉባኤ ኒቅያ፡ ጉባኤ ቍስጥንጥንያን ጉባኤ ኤፌሶንን ክንምሃር ጀሚርና ኣለና። ሓፈሻዊ መእተዊ እንሆ፦
ብሩህ ተስፋ ካብ ዘተ ደቀንስትዮ ኦ.ተ.ቤ. ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዑ
Просмотров 187Месяц назад
ንስምዓየን! ኣብ ጓለንስተይቲ ተዓቝሩ ዘሎ ጸጋ ታእላው የብሉን!
"ኣይትሞቱን ኢኹም" "ሞት ክትመውት ኢኻ" ኣእዛን ኣባጊዕ
Просмотров 9562 месяца назад
"ኣይትሞቱን ኢኹም" "ሞት ክትመውት ኢኻ" ኣእዛን ኣባጊዕ
❤❤❤
❤❤❤❤
ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና ቀሺ የናስ
❤❤❤
ኣቦይ ቀሺ ዮናስ እዚ ትምህርቲ ይካታተሎኣለኹ ብጽሑፍ መልክዕ ክረክቦ ይኽእል ዶ ፧ ኣምላኽ ጸግኡ የብዛሕእሉም
ኣብቲ ዙም ውን ምተኻታተልና መዓስ ምዓስ እዩ ዘሎ፧
ብጣዕሚ ዘደንቕ ታሪኽ ቤተክርስትያና
ብጣዕሚ ደስ ዘብል ኣቦና ቀሺ የናስ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ነዊሕ ዕድመ ይሃብኩም ኣቦና
ብጉባኤ ኒቅያ ዘይቅቡላት ተባሂለ ዝተወገዛ መጽሕፍቲ ክንደይ እየን? ብዝርዝር ዶ ምነገርካና ብሩኽ ሓው።
ኣምላኽ ይመስገን ብጣዕሚ ደስ ዘብል መግለጺ እግዚኣብሄር ጸግኡ የብዝሓልካ። ብኸመይ download ክገብሮ ይኽእል ብጽሑፍ ከንብቦ ደሊየ ነይረ ናይ ኩላተን ጉባኤታት?
🙏🙏🙏
❤🎉
Selam wesenay, Amlak zeben Agelglotkum ybark Abba 🙏🏼 ❤
Amen 🙏
🙏🙏🙏
❤
Amen abona newih idime yehabikum amelke
ኣሜን ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም እግዚኣብሄር ብጹእ ኣቡነ መቃርዬስ ዘመኖም ነዊሕ ይግበሮ ፈጣሪ ኣቦ ሓቂ
❤❤❤❤🎉🎉🎉🎉
❤❤❤
❤❤❤
ኣሜን ጸጋ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ፍቅሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኹሉና ይኹን """ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም ኣቦና ቀሺ የናስ
ኣሜን የሱስ ጎይታ እዪ ብጸጋኻ ደግፈኒ ኣሜን
ኣሜን ሃሌ ሉያ
ኣሜን
ኣሜን ጎይታ ዘመንኩም ይባርኽ ጎይታ ሃሌ ሉያ
🎉🎉🎉🎉❤❤❤
ኣቦይ ቀሺ ግሩም ዝኾነ ትምህርቲ ❤
ዝሃንጽ ቃል
Abona yekenyelna slekum nemesgno namlak ❤
ኣሜን ጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቅሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱሱን ምስ ኹሉና ይኹን ኣቦና
Amen. Amen. Amen ⛪️
ግርም መግለጺ ኣቦይ ቀሺ ዮናስ።
ሰላም አቦይ ቀሺ፡ ነዛ ፅሕፍተይ ክትነብብዋ እሞ ናትኩም ሓሳብ ውን ክነብብ ተስፋ አሎኒ። እዚ ኣብ ናይ ኣብያተ-ክርስትያን ናይ ጴንጠ ዝርአ ብ ልሳን ናይ ምዝራብ ዝብል ኣምር፡ ልክዕ እዩ ምስ መጽሓፈ ልፋፈ ጽድቅን ፡ምስ ከም በዓል መጽሓፍ ግርማ መጐስ ይመሳሰል። ከምኡ ውን ምስቶም ኣብ ድርሳናት ናይ መላእክት ተጻሒፉ ዘሎ ስዉር ኣስማት ተባሂሉ ዝንገረሉ ውን ይመሳሰል እዩ። እዚ ግሎሶልያ Glossolalia ዝበሃል ኮይኑ ሰብ ካብ ክቱር ጸቅጥን መንፈሳዊ ህውከትን ፡ ዝኰነ ይኹን ትርጉም ክህብ ዘይክእል ቃላት ክዛረብ ከም ዝክእል ውን ነቢበ ኣሎኹ። ምስዚ ናይ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ፕሮቴስታን ዘሎ ናይ ብልሳን ምዝራብ ዝብል ምስቲ ኣብ ሂንዱዚም ዘሎ ናይ ኩንዳሊኒ መንፈስ ብጣዕሚ እዩ ዝመሳሰል። ብዝያዳ ( Speaking in tounges in Kundalini Spirit) ዝብል ኣብ ይቱብ ወይ ጉግል ኣልሹ search ግበሩ እሞ ምስ ናይ ጴንጠ ዘለዎ ምትእስሳር ውን ጐሊሑ ክረኣየኩም እዩ። ስለዚ ፍቃድኩም እንተኮይኑ፡ ኣብዚ ዛዕባ ናትኩም መጽናዕታዊ ሓሳብ ወሲኽኩም እንተ ተቅርቡልና ዝያዳ ሓጋዚ ምኰነ ይብል። ብተወሳኺ፦ እቲ ሓዋርያት ብበዓለ መንፈስቅዱስ ዝተቀበልዎ ቋንቋ ብዓይነቱን ብድምጹን ናይዚ ዓዲ፡ ናይዞም ብሔር እዚኦም እዩ ኢልካ ክንገር ዝክእል ቋንቋ ነበረ፡ ነዚ ድማ እቶም ካበየቦትኡ ዝመጹ ኣይሁድ በብዝተወለድናሉ ቋንቋ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና ዝበልዎ ዓቢ ምስክር እዩ ግሓ 2፥8። እቲ ኣብ ቆሮንጦስ ነይሩ ዝበሃል ቋንቋ ኸ ከመይ ነበረ፧ " ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዘይብሉ ግና የልቦን፡1ቆሮ 14፥10 ምባሉ፡ትሕት ኢሉ ሓውኻ ብዘይሰምዖ ቋንቋ እንተ ተዛረብካ እቲ ዘይተማህረ ሓውኻ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ክብል ይኽእል ውን ይብል ። ስለዚ እቲ ቋንቋ ደሃይ ዘለዎ ናይዞም ሃገር እዚኦም ቋንቋ እዩ ክበሃል ዝኽእል እዩ ነይሩ ዶ ክንብል ንክእል፧ ወይስ ከምቲ " ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቃል ቋንቋ ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቃላት በእምሮ ክዛረብ እፈቱ ኣሎኹ፥1ቆሮ 14፥19። ዝበሎ ብዙሕ ምስጢራት ኣብ ውሑዳት ቃላት ዝጨበጠ ስዉር ልሳን እዩ ነይሩ፧ ንእትህቡኑ መልሲ ኣቀዲመ አመስግን።
ከምቲ ጉቡእ ንስኹም ብመንፈስ ገተገልግሉናዩ ዝግባእ ናይ እስራኤል ካህናት ይንበዩ ብመንፈስ የገልግሉ ኔሮም ናትና ግን እዝኹሉ ጥንታዊት ከላ ምንም ናመንፈስቅዱስ ኣገልግሎት ዘየለ ብጣዕሚ ዘሕዝን ከም ብዝሒ ዓመታት መማህራን ክትኮኑ ምተገብአ
መጽሓፍ ቅዱስ ክትርጎም ኣለዎ ኢዩ ዝብል እምበር መጽሓፍ ቅዱሳዊዩ ዝትርጉም ከኣ መንፈስየ ብሮ.ናይ ምትርጓም ህያብ ኣሎ ኣንንብብ ብፍላይ 1ይ ቆሮንቶስ 14 እትጸገም መማህራንኩም ጌጋ ምህሮም ኣስሒቶምኹም ንስኹም ከኣ ዝምርምር ዓቅሚ የብልኩምን ዝሞተ ሰብ ዘይርኢ ዘይሰምዕ ክማልደልና ዩ ትብሉ ዘማልድ በይኑ የሱስዩ እብራውያን 7:25 Joel 2 ትግ - ዮኤል 28: ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። 1 Corinthians 14 ትግ - 1ይ ቆረንቶስ 5: ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዚትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እቲ ትንቢት ዚንበ ይዓቢ።
ንስካ ውን ናብዞም ኣምሓራ ሻራ ማራ ራ ራ ፕፕፕፕፕክክክክ ዝብሉ ጸሪኻ ንበትሪ ኣብ ፍርቂ እንዳሓዝካ ንዝኩነን ክንዲ ትኩንን ንዝድነቕ ከኣ ከተድንቕ ፈትን ኩስቶ ከምዚ ኢሉ ኩስቶ ከምዚ ኢላ ንስካ ከ? ናብ ትዝታው ክትስዕብ ኢኻ ትመስል ኣካይዳኻ ኣማሓይሽ መርገጺኻ ሓደ ይኩን ምስ ቀሺ ኮሪኻ ምስ ጳጳስ ኮሪኻ ናብትን ናብትን ህኮት
ውትኸውን ኣራጊጽካ ከይፈለጥካስ ድላይካ ትብል ወይ ጉድ ፡ርጋእ ኢልካ እንታይ ማለትካ ኢኻ እዩ ዝባሃል ፡ህውኽ ዝብኢ ,,,,,መላኣያ ከይትማሳሰልካ ካኣ ተጠንቀቐላ,
@teamedawit5028 ኣነ ኣብቲ ሎሚን ካልእ ቅድሚኡን ዘቕርቦ መደባት ሓሳበይ ሂበ ኣለኹ ኣብቲ ዝበልኩዎ ሪኢቶ እንተለካ ክሰምዓካ ፡ ካቡኡ ሓሊፉ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ ኣይተረደኣንን ጽሕፈትካ ውን ፊደላት ዝጎደልዎ ይመስል ብዛዕባ እቲ ዝብኢ ግን ዝፈልጦ ተኣምራት የብለይን ምስ ኣዝማዱ ተዛረብ😏
Nemesgnaka aba keshi yonas😊
Nemesgnaka aba keshi yonas😊
ሰላም ሰላም ኣቦይ ቀሺ ዮናስ ሰላምኩም ይብዛሕ። ቀጺለ ተቕርብዎ መደብ ብተመስጦ ከም ዝከታተሎን ብዙሕ ይማሃር ከምዘለኹ እንዳሓበርኩ እዛ መጽሓፍ ተሪኽ ቤተክርስትያን በየን ምረኸብኩዋ?
ሰላም ንዓኻ ኣሸር፡ እዚ እንምሃሮ ዘለና ተኸታታሊ ትምህርቲ እዩ እምበር፡ ብመጽሓፍ ዝተዳለወ ኣይኰነን። ስለቲ ተገዳስነትካ፡ ኣምላኽ ይባርኽካ!
Amen 🙏. 🇪🇷
❤❤❤❤
ruclips.net/channel/UCAgP4GkFL0TJ6bettw8UeJw?si=IAPG80ol8fWk_giT
🎉🎉🎉🎉❤❤❤❤
Kale hiwet yismaalna
Amen.. tebareku.❤🎉❤
🙏🙏🙏❤️⛪️
🙏🙏🙏
❤❤❤❤
ኣሰይ ሊቅ ቅቡእ ኣቦና እዚ ኣይበዝሖምን ንበሩልና ኣምላኽ ዕድመቶም ጻድቃት ኣቦታት ይዓድልኩም በረኸትኩም ይዓድለና 🙏🩵🌹
Wow what Amazing God bless you