ERITREAN ORTHODOX TEWAHDO MEZMUR - Dkam Bahri Koinka - ድኻም ባህሪ ኮይንካ - by Dn Abrham Mehari

Поделиться
HTML-код
  • Опубликовано: 27 ноя 2024

Комментарии • 425

  • @kbromulemelaekt9922
    @kbromulemelaekt9922 2 года назад +145

    በስም ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
    ድካም ባህሪ ኮይንካ መሓውርካ እንተ ረብረበ
    ስጉምትካ ኣንደልሂጹ ሕልናካ እንተዕረበ
    ኣበሳካ ክድምስሶ ዝከፈለ ሂወቱ
    ኣምላክ ድኩማት ጎይታ ከጽነዓካ'ዩ ብምሕረቱ(2)
    ------------------------------------------------------------
    ጓሂካ ዘይምነዎ ውድቀትካ ፍጹም ዝምነ
    ተስፋ ልብካ ሴሩ ተጎልበበካ ድነ
    እግዚኣብሄር ብርሃን ሂወትካ ጉልባብ ሓዘን ዝኣሊ
    ኣሐዲሱ ተስፋካ ከብርሃልካ'ዩ ግበር ዓቕሊ(2)
    --------------------------------------------------------
    ሃዲእካ ዝተለምካዮ ድላይ ልቢ ቁም ነገር
    ንእለት እንከይ ሓሰብካዮ በኒኑ እንክስወር
    ኣብ ማዕበል ባሕሪ ሓሳባት ተንሳፍፍ ብሻቅሎት
    /ትዕግስትካ ተጸንቂቁ ከተስተንፍስ ብንብዓት(2)
    ይርኢ'ሎ ብሬታ ንዘይብሉ ጾር
    ይርዳእ 'ዩ ሓሳባት ልቢ ዝምርምር
    ተበራበር ንገሮ እንዶ ብእህህታ
    ይሰምዕ'ዩ መልሲ ለዎ ንሕሹክታ
    ይሓይሽ ዝበሎ ለዋህ ጎይታ
    ፍጹም ልቡ ዘይክእሎ ንብዓት ጓሂ ናይ ውልዱ
    ገጹ ክመልስ ተሰፎ ብህያው ቃሉ ቤትካ ክድብስ
    -----------------------------ኣዝ---------------------
    ዘመናት ዘይተመለሰ ትልብካ ዝሓስቦ
    ሕቶ ጻዕሪ ውሽጢ ቤትካ ዕረፍቲ ዘይተረክቦ
    ትርግታ ልቢ ዝህውክ ከባቢካ ዘድምጾ
    /ኣእዳውካ ከተመሳቅል ስኢንካ ርሕው ማዕጾ(2)
    ኣይትጃጁ ታይረኪቡ ዝተከዘ
    ትንብዓታ ስሌካ እንድዩ ዝወሓዘ
    ኣብ ጎንካ ድንግል ኣላ ንረዲኤት
    ርህራሄኣ ክበጽሓካ'ዩ ብቅጽበት
    መመክሒትካ'ያ ንዘንትእለት
    ትሕጂ ዝመስለካ ክቱር ጻዕርካ ዘይሓልፍ
    ሎሚ ክትጸሮ ተቀነቶ ንጸሎታ ጽባሕ ክትሰግሮ
    ----------------------------------------------------------
    ጓሂካ ዘይምነዎ ውድቀትካ ፍጹም ዝምነ
    ተስፋ ልብካ ሴሩ ተጎልበበካ ድነ
    እግዚኣብሄር ብርሃን ሂወትካ ጉልባብ ሓዘን ዝኣሊ
    ኣሐዲሱ ተስፋካ ከብረሃልካ'ዩ ግበር ዓቕሊ
    ---------------------------------------------------------
    ክርታዕ ተዘይተካእለ ከሳሲካ ኣብ ሎሚ
    ታይ ኣለዎ ብግዚኡ ዘክሮ ሂወት ዓሚ
    ስፍሩ ዕርዲ ጸላኢካ ዘርዕድ ትትርኢቱ
    /ምንም ሰፍ ዝብል ዘይመስል ክስነፍ'ዩ ኣብ ሰዓቱ(2)
    ዘይተሰብረ ድካም ስጋ ክሳብ ዘሎ
    ገና ገና ትሃለክለክታይ ክትብሎ
    ተዓገሶ ሂወት ቃልሲ'ዩ መስደመም
    ዕርድካ 'ሎ ጽኑዕ ከውሒ ንዘልኣለም
    ዘይታከስ ጓሳ መድሃኔኣለም
    ምሳካ'ዮም ዘለዉ ከቢበሙካ ብጸጋ
    ሰራዊት ሰማይ ጽናዕ ትብዕ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትበል መይመይ
    ---------------------------------------------------------------------
    ድካም ባህሪ ኮይንካ መሓውርካ እንተ ረብረበ
    ስጉምትካ ኣንደልሂጹ ሕልናካ እንተዕረበ
    ኣበሳካ ክድምስሶ ዝከፈለ ሂወቱ
    ኣምላክ ድኩማት ጎይታ ከጽነዓካ'ዩ ብምሕረቱ
    ----------------------------------------------------------
    ጓሂካ ዘይምነዎ ውድቀትካ ፍጹም ዝምነ
    ተስፋ ልብካ ሴሩ ተጎልበበካ ድነ
    እግዚኣብሄር ብርሃን ሂወትካ ጉልባብ ሓዘን ዝኣሊ
    ኣሐዲሱ ተስፋካ ከብርሃልካ'ዩ ግበር ዓቕሊ
    -------------------------------------------------------
    ስብሃት ለእግዚኣብሄር ልዑል
    ወለወላዲቱ ድንግል
    ወለመስቀሉ ክቡር
    ኣሜን።

  • @mussietn1966
    @mussietn1966 3 года назад +192

    ክብድብድ ክብለኒ'ንከሎ ወትሩ ተሥፋ ትኅበኒ መዝሙር 💚🖤🙏🏿

  • @salamkahsay8143
    @salamkahsay8143 3 года назад +285

    ኣሜን ኣሜን ኣሜኔ ዝማሬ መላእኽት የስማዓልና ክቡር ሓውና ሎሚ ዕለት 24/03/2014 ዓ/ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ብጣዕሚ ተጨኒቐ መዝሙር ኣብ ዝስምዓሉ ዝነበርኩ ስዓት ወዝቢ ነዛ መዝሙር እዚኣ ረኺበያ ደጋጊመ ስሚዐያ ኣዝያ ተስፋ ሂባትኒ እሞ የቐንየልና ከምዚ ዝጥዕምን ተስፋ ዝህብን መዝሙር እተቕርቡልና ክቡራትን ሓላላትን ወለድናን የሕዋትናን እቲ ኩሉ ዘይሳኣኖ ኣምላኽናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣጥፊኡ ስላም የምፀኣልና ዓወት ንውፁዕ ህዝቢ ትግራይ ኣሜን፫

  • @abelsamrawi
    @abelsamrawi 2 года назад +23

    I lost my brother today in libya 🇱🇾 እታ እንኮ ዘጸናናዓትኒ እንተኣላ እዛ መዝሙር እያ

    • @luam2281
      @luam2281 2 года назад +4

      Ajoka ajoki hawey haftey amelak ab xegie dkimat wxiuatin u
      Xnat yehab kea hawna amlk ab genetu yenbro

    • @abelsamrawi
      @abelsamrawi 2 года назад +1

      Amen amen 😢

    • @desaletesfay9959
      @desaletesfay9959 3 месяца назад

      Sesus is with you 😢😢❤❤❤

    • @desaletesfay9959
      @desaletesfay9959 2 месяца назад

      Godblass you ❤❤❤😢😢

    • @silvanaokbit1464
      @silvanaokbit1464 2 месяца назад

      Fetari bsemay yqebelo ajoki

  • @mulugetatewelde1187
    @mulugetatewelde1187 25 дней назад

    ኣሜን(3)ዝማሬ መልኣክቲ የስመዐልና። ከምቲ ናይ እየሱስ መሕበር: ስሙራትን ተሓባበርትን ተደጋገፊትን ኩኑ

  • @meraeyob7209
    @meraeyob7209 2 года назад +22

    እግዚኣቢሄር ብርሃን ሂወትካ ጉልባብ ሓዘን ዝኣሊ
    ኣሐዲሱ ተስፋኻ ከብርሃልካ ዩ ግበር ዓቅሊ🙏🙏🙏
    ዝማሬ መላእክቲ የስመዓልና 🙏💒🙏💒🙏💒

  • @yordanostesfay3100
    @yordanostesfay3100 9 месяцев назад +4

    Amen Amen Amen Zmare Melakti Yesmealna 🙏🙏🙏

  • @tube.Armagiedon
    @tube.Armagiedon 4 месяца назад +3

    ናይ ብሓቂ መንፈስካ ዘሓደስ መዝሙር ዝማሬ መልኣክቲ የስመዓልና ❤❤

  • @AkberetDawit-du4hp
    @AkberetDawit-du4hp Год назад +6

    አልልልልልልልል ዝማሬምላአክቲ የስምዓልና አግዚኣብሔር ጸገአኡ ይብዝሓልኩም

  • @እስመኣልቦነገርዘይስኣኖለ

    ድኻም ባህሪ ኮይንካ
    እናሻዕ ውሽጥኻ ሰላም ትህብ መዝሙር
    ናይ ብሓቂ ዝማሬ መላእኽት የስምዓልና

  • @solianakahsay8552
    @solianakahsay8552 2 года назад +30

    ሎሚ ዕለት 07/06/2014 ዓ/ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ይስምዓ ኣለኹ፣ ቅድሚ ሕጂ ውን ብጣዕሚ የ ደጋጊመ የ ዝስምዓ ኔረ፣ ብሓፈሻ ብጣዕሚ ክደክም ወይ ውን ክጭነቕ ከለኹ ናብ መዝሙር የ ዝጎዪ እሞ ኻዓ ናብዛ መዝሙር እዚኣ፡ ኣብ ሂወተይ ተስፋ ትህበኒ ብፍላይ ካዓ ሕጂ ብስንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዓደይ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት፣ ናፍቆት ወለዲ፣ እዚታት ኩሉ ክሓስቦ ከለኹ በዚኣ መዝሙር ይድበስ፣ ተስፋ ይገብር፣💊💊💊🙏🙏🙏

    • @musemamilove4519
      @musemamilove4519 2 года назад +2

      ወላ ኣነ ናይ ዲያቆን አብርሃም መዝሙር እዩ ተስፋ ዝህበኒ 🥰😢😢😢

    • @FlimonAbrham
      @FlimonAbrham 2 месяца назад

      መርጌታ ኣብርሃም ኣይድገምን እዩ ንኩልና ሰላም ይግበረልና ኤርትራን ትግራይ ወዲ ዓበይቲ

    • @natsnetshumay
      @natsnetshumay 27 дней назад

      Kulu zsmani eki gelixkiyo thank you❤❤❤

  • @abrahamghebru8562
    @abrahamghebru8562 Год назад +5

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መልኣክቲ የስመዓልና ጸግኡ የብዝሓልካ ድያቆን ሓዉና ❤❤❤

  • @Tigray122
    @Tigray122 10 месяцев назад +2

    ኣሜን, ኣሜን, ኣሜን ብሓቂ ዝማሬ መላእክት የስምዓልና 🙏🏻🙏🏻🙏🏻ሰሚዕካ ዘትጽገብ ፍልይቲ ሞዝሙር ብሓቂ ጸግኡን ጥበቡን የብዝክሓልካ ኩቡር ሓውና 🙏🏻🙏🏻🙏🏻 ቅድሚ 3ተ ዓመት ህጻን ውልደይ ሓሚማትኒ ኣብ ዓብይ ሆስፒታል ናይ ህጻናት ኣትያ ብምሕረት ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላክ ክኣ ብሰላም ወጺኣ ክብሪ ንልዑል እግዚኣብሄር ይኩን 🙏🏻🙏🏻🙏🏻ምስኣ ኮይነ ኣብ ጎና ነዛ መዝሙር ይሰምዕ ነረ እቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ምስ ርኣኩ እሞ ፍጹም ነዚ ናተይ ዝሓለፈ መከራ ርኢካ ዝተዘመረት እያ ኮይና ትስምዓኒ ብሓቂ ክብሪ ንልዑል እግዚኣብሄር ኣምላክና ይኩን 🙏🏻🙏🏻🙏🏻ኩሉ መዝሙር ናይ Orthodox ና ጥዑም እዩ ክብሪ ይሃብኩም ንኩልኩም ልዑል እግዚኣብሄር ጸግኡን ጥበቡን የብዝሓልኩም ብስጋን ነብስን ይሓልኩም 🙏🏻❤❤❤❤❤🙏🏻🙏🏻

  • @msgnaabed4999
    @msgnaabed4999 Год назад +5

    Neza mezmur kesema keleku fuluy simit ysmani temesgenka amlak aboy texeniqe iya zsema zeleku yhwat mhret yewurdelka boluni yhwat❤❤❤

  • @HAbtemaryamTsige-d5n
    @HAbtemaryamTsige-d5n 2 месяца назад

    ❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤ዕልልልልልልልልልልልልል ቃለሒወት የስማዕልና እግዝኣብሔር ጸግኡ የብዝሓላካ

  • @mengisgebryohannes324
    @mengisgebryohannes324 Год назад +6

    ናይ ልበይ መዝሙር ብር ክትብል ተሃጎስ፡ተባረክ (3)💒💒💒፡⛪⛪⛪💐🙏

  • @biniamzewde9844
    @biniamzewde9844 3 года назад +58

    ቃል ሂወት የስማዓልና ኩቡራት ኢሕዋየት ነዚ ድስ ዝብል መዝሙር ከምዚ ጌርኩም ምቅራብኩም (ተምስገ ኣምላኽ )🙏🙏🙏

  • @brtukanleake1591
    @brtukanleake1591 Год назад +4

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላኤክቲ ነስምዐልና የስመዐልና✝️⛪️✝️❤❤❤

  • @fithawihabte7145
    @fithawihabte7145 Год назад +4

    ኣሜን ቃለ ሂወት የስምዓልና ።ካብ ዕለት ናብ ዕለት ኣእምሮ ዘሐድስን ተስፋ ዝህብ ምስጋን እዩ።

  • @Mhmhd-u6k
    @Mhmhd-u6k 2 месяца назад

    ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክቡር ሓወይ ፁጉኡ የብዝሕልካ ጡዑም መዝሙር 3:42

  • @SaddsCZx
    @SaddsCZx 2 месяца назад

    ዝማሬ መላእክቲ የስመዐልና ክብቲ ሓፍትና ፀግኡ የብዘሐልኪ❤🙏💕

  • @filimonbrhane5998
    @filimonbrhane5998 2 месяца назад

    እዛ መዝሙር ብጣዕሚ እያ ተጸናንዓካን ተስፋ ትህበካን
    ነቲ ኣብዛ መዝሙር ዘሎ ቃላት ኣስተንትንዎ እሞ ❤❤❤
    ቃል ሂወት የስመዓልና

  • @robeltewelde1015
    @robeltewelde1015 16 дней назад +2

    Mis semaokuwa menfesey Mulue selam asilwo temesgenka amlak aboy zimare melaekti yesmioalna kuburat abotatey adietatey kibrin misganan nilul amlakna Amen amen amen ❤❤❤❤❤❤❤

  • @merhagere2411
    @merhagere2411 Год назад +2

    ዝማሬ መልኣኽቲ የስመዓልና ድያቆን ኣብርሃም ጠፊእካ ግን ናይ ደሓን ዲኻ

  • @GoitomAlem-ez2ms
    @GoitomAlem-ez2ms 3 месяца назад

    ቃለ ሂወት የስምዓልና ዝማሬ መልአኽቲ የስምዓልና አፍ ዘኽይድ ብዕራይ አይትእሰር ይብል እግዚአብሔር ብሙሴ ሐዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ድማ ደጊምዎ አሎ እሞ ነቦታት ንከናኸኖም ንሐልዎም

  • @FdsAsd-ff2nq
    @FdsAsd-ff2nq 5 месяцев назад +1

    ኣሜን🙏🙏🙏
    ኣሜን🙏🙏🙏
    ኣሜን🙏🙏🙏
    ተመስገን ኣምላከይ
    ሰለ ኩሉ ፊቅርካ
    ኣሜን

  • @swsw5226
    @swsw5226 Год назад +4

    ድካም ባህሪ ኮይንካ መሓዉርካ አንተረብረበ
    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላአክቲ የስመዐልና ጸጉኡ የብዝሕ እግዚኣብሔር ኣምላክ ናይ አገልግሎት ዘመንካ ይባርክ ብሓቂ ጥዕምቲ መዝሙር♥️🥀✝️💒🤲♥️

  • @YakobtekleWedishiwa
    @YakobtekleWedishiwa 3 месяца назад

    ኣሜየን ኣሜየን ኣሜየን 🙏🙏🙏🙏

  • @TesfitStudio
    @TesfitStudio 6 месяцев назад +1

    እዛ መስሙር ፍልይ ዘብላ ኣብ ግዜ ድኻምካ ብናይ ዓለም ነገር ተስፋ ምስ ቆረጽካ እትህበካ ሓይሊ ተስፋ ፍሉይ ዩ ድያቆን ኣብርሃም ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልካ መጻናናዒት መዝሙር

  • @ማቢገረዚሄርነኝየቅዱስጊወ

    ዝማሬ መላእክት የሥመዐልና ክቡር ሓውና ፀጉኡ የብዝ ብሓቂ ጡዑም መዝሙር✝️✝️✝️

  • @وناحزم
    @وناحزم 14 дней назад

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን 🎉🎉🙏🙏💒💒💒👑👏

  • @ማርያምኣደጎይታይ-ጘ1ዐ
    @ማርያምኣደጎይታይ-ጘ1ዐ 3 месяца назад

    ዝማሬ መላእክት የስምዓልና ኣምላኽና ኣዕዚዙ በረኸቱ የብዝሓልኩም መዘምራን ኣሕዋትና❤🎉😊

  • @ነጋሲማና
    @ነጋሲማና Год назад +1

    ❤❤❤ ምስጋና ነቲ ልዑል ጐይታና ሰማይን ምድርን ብዘይ ዓንዲ ዝቆመ ፡ሓይል ረዳእን መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ይኹን❤❤❤።

  • @hoolpgoolp5483
    @hoolpgoolp5483 2 года назад +2

    አሜን አሜን አሜን ዝማረ መላእክቲ ይስመዐልና ክቡራት ኣቦታትና እግዚኣብሄር ብዕድሜና ብጥዕናን ይሓልወልና

  • @filmonafewerki7884
    @filmonafewerki7884 3 года назад +13

    ቃል ሕይወት የስምዓልና።
    እግዚአብሔር ጸሎት ወላዲቱ ድንግል ማርያምን
    ኵሎም ቅዱሳንን ሰሚዑ፡ ኣብ ቅዱስ ቃሉን ኣሰር
    ቅዱሳን ክንስዕብ ቅዱስ ፍቃዱ ይኹነልና።

    • @tetetete35tetr67
      @tetetete35tetr67 2 года назад +1

      Bg is a great place to work for and I am very excited about 5 and I am very excited about

  • @hawashasefa5016
    @hawashasefa5016 6 месяцев назад

    አሜን አሜን አሜን ዚማረ መላእክት የስመዓልና ሰሚዕካያ ዘይትምኖ ዓቢ ናይ ምጽንናዕ መልእክቲ ዚሓዘት መዝሙር እያ

  • @ሃይለዘሙይ
    @ሃይለዘሙይ Год назад

    ዝማሬ መላእክቲ የስማዓልና ጸጉኡ የብዝሓልካ ናይ ኣገልግሎት ዘመንካ ይባርክ አግዝኣብሄር ዲያቆን ሓውና

  • @ሊሊጋልተዋህዶ-ሰ7አ
    @ሊሊጋልተዋህዶ-ሰ7አ 2 года назад +10

    ዝማሬ መልከክቲ የስመዐልና ክቡርድያቆን ሓውና ፀጉኡ የብዘልሐካ እግዚአብሔር ኣምላክ ናዘመርካ የንበርካ

  • @gebremariam7918
    @gebremariam7918 2 года назад +5

    Aemroy eteheds zfetwa mezmur! Zmare meleakt yesmealna dyakon hawey 💙

  • @አምላኬሆይያንተእንጂየሰው

    አሜን ጥዑም ዝማሬ የስመዐልና

  • @melakemehari4347
    @melakemehari4347 7 месяцев назад +1

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ❤

  • @medihinzenfu1532
    @medihinzenfu1532 2 года назад +13

    ዝማሬ መልእኽቲ የስመዓልና🙏💟

  • @kisanethaile3857
    @kisanethaile3857 Год назад +3

    Zmare melakti yesmalna dyakon hawna nay agolgulet zeminka yebarkelika 🙏🙏🙏❤️❤️❤️

  • @savanah6075
    @savanah6075 2 года назад +3

    Zmarie melakt yesmealna amlak xegiu yebzehalka hawey natey

  • @መዝሙረይኢኺድንግለይ
    @መዝሙረይኢኺድንግለይ 2 года назад +3

    ዝማሬ መላኣክቲ የስመዐልና👏👏👏👏👏👏

  • @MK-rg1og
    @MK-rg1og 3 месяца назад

    ደረት ኣቦታትና ኣይፍርስ ምስጋና ንውዳሴ ከንቱ ኣ ንጠቀመሉ።
    ብራዕዳን ብምቅጥቃጥን ዝግልገል ኣምላኽ ምስጋንኡ ከንቱነት ተቐይሩ ሕደጉ።
    ቢንያም ብስጋ ካብ ብሉጻት ሰባት ኢዩ
    እንቋዕ ሓጎሶ ።
    ከነተባብዖ ፡ክንሕጎስ ፡ጸገም የብሉን ፡
    ኣብ ኣቦታትና ከይዱ እንተተባረኸውን ጽቡቕ ደስ ዘብል
    መዝሙር ግን ኣይግባንንን እዛ ጸገም የብሉን
    ትብል ቃል ኣብ ፍርዲ ከተእትወኩም ።

  • @ትግራይዓደይዓይነይ
    @ትግራይዓደይዓይነይ 3 года назад +27

    ዝማሬመለኣክቲ የስመዐና ናይ ኣገልግሎት ዘመንካኩም ይባረክ ሰሚዐ ዘይፀግባ መዝሙር

  • @fkaduasfha9859
    @fkaduasfha9859 3 года назад +14

    እልልልልልልል ዝማሬ ምላእክቲ የስምዓልና እግዚአብሔር ጸግኡ ይብዝሓልኩም የሕዋት 💒🙏❤️❤️❤️❤️👏👏👏👏👏👏👏👏

  • @ደግፈኒኣምላኸይ
    @ደግፈኒኣምላኸይ 3 года назад +5

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማረ መላእኽቲ የስመዓልና።

  • @selemuntnsae1484
    @selemuntnsae1484 Год назад +1

    ኣሜን (3) ኣብግዜ ጭንቀት ተስፋ ዝንበረት መዝሙር መዝሙር እዚኣእኣ ዝማረ መላእክቲ የስምኣልና ኣጀካ መዝሙር ንጽበ ኣለና ❤️🙏💒🙏💒🙏💒🙏💒💯💯💯💯🌷

  • @alikalik224
    @alikalik224 Год назад +1

    ኣሜን እዛ ሞዝምር ናይ ባሓቂ ልብካ ተረስርስ አያ

  • @pilimonmaheri890
    @pilimonmaheri890 3 года назад +7

    Amen 🙏💞💒 zemare melaktey yesmalna.
    deyqon hawena Egziabeher Amilk xega yebzhalka.

  • @yemanerussom450
    @yemanerussom450 2 месяца назад +1

    ኣሜን❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @RobielMichel
    @RobielMichel Год назад +1

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክቲ የስምዓልና❤❤❤

  • @bahabelomhadgu4567
    @bahabelomhadgu4567 3 года назад +10

    ዝማሬ መላእክት የስማዓልና ❤❤❤🥰🥰🥰💒💒💒🙏

  • @Mnbvcxxd
    @Mnbvcxxd 2 месяца назад +1

    ❤❤❤❤❤ zmare melaekti yesmealna

  • @Musse-bx9me
    @Musse-bx9me Год назад

    ዝማሬ መላእኽቲ የስማዓልና

  • @MichaelMehari-f1p
    @MichaelMehari-f1p Год назад

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክቲ የስምዓልና ኩቡር ሓዉ!

  • @erenashikor1584
    @erenashikor1584 Год назад

    Kbrn msgan negzabiher ykun Amen Amen Amen 🙏 🙌

  • @tsegaabraha1428
    @tsegaabraha1428 3 года назад +7

    amen amen amen zmare melaekt yesmealna dyakon hawey amlak xegeu yebzhalka kndey hzunat eya texenane ezamezmurka 👏👏👏

  • @user-kdstizetewahdo
    @user-kdstizetewahdo 3 года назад +11

    ኣሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና

    • @tetetete35tetr67
      @tetetete35tetr67 2 года назад +1

      Bg is a great place to work for and I am very excited about this opportunity and I look forward to working with you and your company for the opportunity to work with you and I look forward to working with you and your company for the opportunity to work with you and I look forward to working with you and your company for the opportunity to work with you and I look forward to working with you and your company for the opportunity to work with you and I look forward to working with you and your company for the opportunity

  • @ድንግለይዋሕሰይእያ
    @ድንግለይዋሕሰይእያ 3 года назад +10

    እሰይይይይይይይ ተመሰገን መዕረፊ ህሊና
    ፀግኡ የብዘሐልኩም እግዚአብሔር አምላክ

    • @betihaben7616
      @betihaben7616 2 года назад +1

      😍😍😍😍😍😍😍😍😍😍😍

  • @Aron-xi1ug8lq8d
    @Aron-xi1ug8lq8d Год назад

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

  • @RodasAlene
    @RodasAlene 7 месяцев назад

    ኣሜንንንን ኣሜንንን ኣሜንንን♥♥♥

  • @Grmawit-w1m
    @Grmawit-w1m 3 года назад +7

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ❤❤❤❤

    • @waletgebremdhin8182
      @waletgebremdhin8182 2 года назад +1

      Amen amen amen

    • @tetetete35tetr67
      @tetetete35tetr67 2 года назад +1

      Selam and I have been trying to get a hold of you for a while and I hope you are having a great time in the new year and I hope you are having a great time in the new year and I hope you are having a great week and I hope you are having a great time in

  • @hadgugebremeskel
    @hadgugebremeskel 2 года назад

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና ክቡር ሓዉና ብጣዕሚ ጥዑም ዝማሬ ተስፋ መስነቒ

  • @KfuUty
    @KfuUty Год назад

    አሜንአሜንአሜንዝማሬየስመዕልና

  • @musemamilove4519
    @musemamilove4519 2 года назад +4

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የስምዓልና መዘምረይ ❤️🥰😢

  • @yemanerussom450
    @yemanerussom450 2 месяца назад +1

    ❤❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @HanaGhrimay
    @HanaGhrimay Год назад +2

    ቃል ሂወት የስምዐና አሜን

  • @mohammedadumi5684
    @mohammedadumi5684 2 года назад +2

    Kale hiwey yesmalan diyaqon hawey

  • @rahelmebrahtu1414
    @rahelmebrahtu1414 Год назад +1

    ተመስገን ኣምላኬ ነዛ ሰዓት እዚኣ ከስተማቅራ ስለ ዝፈቀድካለይ ቃለ ሂወት የስመዐልና ተስፋ ዝህብ መዝሙር

  • @sikosilo7487
    @sikosilo7487 Год назад

    Zimare melakti yesmana n hawna bixetun kea nay agelglot zebenkum ybarik

  • @nashibrhane8399
    @nashibrhane8399 Год назад +1

    የቅንይልና ቡርኽ ሰንብት 🌹🌹🌹👏🏿👏🏿👏🏿🌹🌹🌹

  • @bereketabraham7450
    @bereketabraham7450 Год назад +2

    አሜን አሜን አሜን ቃል ሂወት የስማዕልና

  • @ggf5758
    @ggf5758 Год назад +2

    አሜን አሜን አሜን ዝማሬ መላእክት የስመዐልና 🌾🌿🌾🌷🌾🌿🌷🌾🌿🙏🙏🙏🙏❤️❤️❤️

  • @filimondesale8136
    @filimondesale8136 3 месяца назад +1

    I love this mezameran he is Soo good I love all mezameran but he very good ❤❤❤💙💙

  • @senaitekeba4491
    @senaitekeba4491 Год назад

    Amen amen amen 😘😘😘😘😘😘😘 zemere melaekitey asmealna

  • @majoraraya2367
    @majoraraya2367 3 года назад +25

    *በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን*
    *ከጽንዓካ እዩ*
    ድኻም ባህሪ ኮይኑካ መሓውርካ እንተረብረበ
    ስጉምትኻ ኣንደልሂጹ ሕሊናኻ እንተዕረበ
    ኣበሳኻ ክድምስሶ ዝኸፈለ ሕይወቱ
    ኣምላኽ ድኹማት ጐይታ ከጽንዓካ እዩ ብምሕረቱ(2)
    *1* ጓሂኻ ዘይምነዎ ውድቀትካ ፍጹም ዝምነ
    ተስፋ ልብኻ ሰይሩ ተጎልበበካ ድነ
    እግዚአብሔር ብርሃን ሕይወትካ ጉልባብ ሓዘን ዝኣሊ
    ኣሐዲሱ ተስፋኻ ከብርሃልካ'ዩ ግበር ዓቕሊ(2)
    ኣዝ------------
    *2* ሃዲእካ ዝተለምካዮ ድላይ ልቢ ቁም ነገር
    ንእለት እንከይሓሰብካዮ በኒኑ እንክስወር
    ኣብ ማዕበል ባሕሪ ሓሳባት ተንሳፍፍ ብሻቕሎት
    *ትዕግስትኻ ተጸንቂቑ ከተስተንፍስ ብንብዓት* /2/
    ይርኢ'ሎ ብሬታ ንዘይብሉ ጾር
    ይርዳእ'ዩ ሓሳባት ልቢ ዝምርምር
    ተበራበር ንገሮን'ዶ ብእህህታ
    ይሰምዕ'ዩ መልሲ'ለዎ ንሕሽኹታ
    ይሓይሽ ዝበሎ ለዋህ ጐይታ
    ፍጹም ልቡ ዘይክእሎ ንብዓት ጓሂ ናይ ውሉዱ
    ገጹ ክመልስ ተሰፎ ብሕያው ቃሉ ቤትካ ክድብስ ።
    ኣዝ------
    *{ድካም ባህሪ ኮይኑካ ንብል}*
    *3* ዘመናት ዘይተመለሰ ቲ'ልብኻ ዝሓስቦ
    ሕቶ ጻዕሪ ውሽጢ ቤትካ ዕረፍቲ ዘይተረኽቦ
    ትርግታ ልቢ ዝህውኽ ከባቢኻ ዘድምጾ
    *ኣእዳውካ ከተመሳቕል ስኢንካ ርሕዉ ማዕጾ* /2/
    ኣይትጃጁ እንታይ ረኺቡ ዝተከዘ
    'ቲ ንብዓታ ስሌኻ ‘ንድዩ ዝወሓዘ
    ኣብ ጎንኻ ድንግል ኣላ ንረድኤት
    ርህራሄኣ ክበጽሓካ'ዩ ብቕጽበት
    መመክሒትካ'ያ ንዘንትዕለት
    ቲ'ሕጂ ዝመስለካ ክቱር ጻዕርኻ ዘይሓልፍ
    ሎሚ ክትጸሮ ተቐነቶ ንጸሎታ ጽባሕ ክትሰግሮ
    ኣዝ------------።
    *ጓሂካ ዘይምነዎ ንብል}*
    *4* ክርታዕ ተዘይተኻእለ ከሳሲኻ ኣብ ሎሚ
    'ታይ ኣለዎ ብግዚኡ ዘክሮ ሕይወት ዓሚ
    ስሉፍ ዕርዲ ጸላኢኻ ዘርዕድ እቲ ትርኢቱ
    *ምንም ሰፍ ዝብል ዘይመስል ክስነፍ'ዩ ኣብ ሰዓቱ* /2/
    ዘይተሰብረ ድኻም ሥጋ ክሳብ ዘሎ
    ጌና ጌና'ቲ ሃለኽለኽ 'ታይ ክትብሎ
    ተዓገሶ ሕይወት ቃልሲ'ዩ መስደምም
    ዕርድኻ'ሎ ጽኑዕ ከውሒ ንዘልዓለም
    ዘይታኸስ ጓሳ መድኃኔ ዓለም።
    ምሳኻ ‘ዮም ዘለዉ ከቢቦምኻ ብጸጋ ሰራዊት ሰማይ
    ጽናዕ ትባዕ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትበል መይመይ።
    *{ድካም ባህሪ ኮይኑንካ ንብል*።
    *ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን*🙏✝

  • @ንብጻካከምነብስኻኣፍቅር

    ዝሜሬ ማላእክቲ የስምዕልና

  • @SalmhSl
    @SalmhSl 10 месяцев назад

    ኣሜንንን ኣሜንንን ኣሜንንን❤❤❤🎉🎉🎉

  • @shamsham6109
    @shamsham6109 Год назад +1

    ኣሜን ቃል ሂወት መዝሙርና ይባረከልና

  • @sikosilo7487
    @sikosilo7487 Год назад

    Aman aman aman kale Hiwet yesmana

  • @TeklewayniAlazar
    @TeklewayniAlazar Год назад

    Amen 🙏🙏🙏 zemarya malakete yasmana Txagu yebezahlkum❤❤❤

  • @0926-c1n
    @0926-c1n 5 месяцев назад

    Amen 🙏 nay bahaki tsoletey semere...

  • @shekashekano4006
    @shekashekano4006 2 года назад +1

    🙏ኣሜን 🙏ኣሜን🙏 ኣሜን🙏😢😢😢😢😢😢

  • @NetsiLove-n2b
    @NetsiLove-n2b 3 года назад +3

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የስመዐልና👏❤

  • @IbelongtoJesus123
    @IbelongtoJesus123 11 месяцев назад

    Amen amen amen Zmare Melakti yesmalna amlak xegue yebzahalka dyacon hawna 🥰🥰🥰🙌🏾🙌🏾🙌🏾😇😇😇🙏🏾🙏🏾🙏🏾♥️♥️♥️

  • @vipqw-yc9wu
    @vipqw-yc9wu Год назад

    Amen amen amen naybhaqi tesfa thb mezmur egzabiher xegu yebzhalkum

  • @ተመስገንአምላክየ
    @ተመስገንአምላክየ Год назад +2

    ዝማሬ መላእክት ያሰማልን ፫👏✝️👏

    • @fetaritium5552
      @fetaritium5552 Год назад

      Amen amen amen zimare melaekit yesmealna

  • @tsehaineshberhane6279
    @tsehaineshberhane6279 Год назад +1

    አሜን አሜን አሜን እግዚአብሔር ይመስገን ብሩካት ተባረኩ ዝማሬ መላእክት የስምዓልና🙏❤🙏🇪🇷

  • @AbsaraTareke
    @AbsaraTareke 6 месяцев назад +1

    Amen Amen Amen zmarie melaekt yesmelna ❤❤❤❤❤❤❤❤

  • @semeira_33
    @semeira_33 15 часов назад

    አሜን አሜን አሜን

  • @nornorth6318
    @nornorth6318 3 года назад +2

    ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የስመዐና♦♦🌹🌹🌹🙏🙏🙏❤❤❤❤

  • @gebrengusgebremeskel9703
    @gebrengusgebremeskel9703 2 месяца назад

    Zamer malek Amen amen amen

  • @shewittesfazghifisseha9794
    @shewittesfazghifisseha9794 5 месяцев назад

    Amen amen amen Zmarie melakti yesmealna 🙏💖🙏

  • @GebremicalMebrahatom
    @GebremicalMebrahatom 4 месяца назад

    Zimare Melakit yesmalina kibri Hawey Amilak Xegie Yebzahalika ❤❤❤❤❤

  • @wediandaywedianday6575
    @wediandaywedianday6575 Год назад

    Amen Amen Amen Zemare melaeket yesmealena kbur hawena ❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲🤲👏👏👏👏👏👏👏👏👏👏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏

  • @rahwanebu1359
    @rahwanebu1359 Год назад

    Egziabher. yemasgen. Kale. hiwet. yesmalena. Kuburan. 😢🙏🙏🙏❤️💛🌿🕊️🌿😊

  • @habtomabrham9296
    @habtomabrham9296 Год назад

    Zemare melakti yesmalna