- Видео 88
- Просмотров 271 888
EPSM_For_Justice
США
Добавлен 3 май 2016
ራእይና፡
ኣብ ሃገርና ኣብ ትግባረ ቅዋም ዚምርኰስ ግዝኣተ ሕጊ ምንጋስ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን፣ እንተላይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ዜጋታት ምውሓስ፣ ርግኣት፡ ድሕነት፡ ቅሳነትን ራህዋን ምስፋን። ንዅሉ ዜጋ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን - ህዝባዊ ተሳትፎ ዚዅስኵስ፣ ግሉጽን ተሓታትን ኣከያይዳ ዚኽተል፣ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትካል።
ዕላማና፡
ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምእላይን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ምምጻእን። ነዚ ዕዮ`ዚ ብኣድማዕነትን ብዚቐልጠፈን ንምፍጻም፡ በብዓቕምና ከም ውልቀሰባት፣ ብሓባር ከም ምንቅስቓስ፣ ብጥርናፈ ኰነ ብምውህሃድ ምስ ተመሳሰልቲ ሃገራዊ ሓይልታት ብምስላፍ፣ ጭቡጥ ኣበርክቶ ምግባር።
ኣብ ሃገርና ኣብ ትግባረ ቅዋም ዚምርኰስ ግዝኣተ ሕጊ ምንጋስ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን፣ እንተላይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ዜጋታት ምውሓስ፣ ርግኣት፡ ድሕነት፡ ቅሳነትን ራህዋን ምስፋን። ንዅሉ ዜጋ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን - ህዝባዊ ተሳትፎ ዚዅስኵስ፣ ግሉጽን ተሓታትን ኣከያይዳ ዚኽተል፣ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትካል።
ዕላማና፡
ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምእላይን ርጉእ ደሞክራስያዊ ስግግር ምምጻእን። ነዚ ዕዮ`ዚ ብኣድማዕነትን ብዚቐልጠፈን ንምፍጻም፡ በብዓቕምና ከም ውልቀሰባት፣ ብሓባር ከም ምንቅስቓስ፣ ብጥርናፈ ኰነ ብምውህሃድ ምስ ተመሳሰልቲ ሃገራዊ ሓይልታት ብምስላፍ፣ ጭቡጥ ኣበርክቶ ምግባር።
ሓደ ዝጸገምናስ ነንበይንና! ጥሪ 5 2025
ሓደ ዝጸገምናስ፡ ነንበይንና! ጥሪ 5 2025
ሰንኪ ዋሕዲ መበቆላዊ ሓሳብን ተረድኦታቱን፡ ስሕው ሰረተ-ሓሳባ ኣብ ባህልዊ ሕመረት ናይ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘዕቆቦ ዝነበረ መኣዝናትን ህዝባዊ ትካላትን ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ስለዝተመንከለ፡ ስነ-ምግባራዊ ትሕዝቶ፡ ሞራል፡ ሃገራዊ ሕልና፡ ምጽውዋርን ትዕግስትን ናብ ታሕቲ ዝቕ ኢሉ ስለዝፈረሰ ኢዩ።
ጽማቕ ነጥብታት ፈነወ፡
1. ናይ ሓባር ጸገምና ስርዓታዊ ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተወደበ ተንኰል ኢዩ። ብዝተወደበ ፍትሒ ክሰዓር ኢዩ፡
2. ስትራተጂ ምቕባልን ምንጻግን ነዋስቦ፡
3. ንሓዋሩ ክናናን ምናናን ኢና፡
4. ፖለቲካና ከመይ ንደሞክራስዎ ኢዩ፡
5. ዘሕፍር ሃለዋትና ውጽኢት ግጉይ መረዳእታ ሃገርና ኢዩ፡
6. ብሕመቕ ናይ ካልኦት ነብስኻ ምድዕዓስ ነቋርጾ፡
7. ካብ ኩሉ ሃብቲ ሃገር፡ ኩሉ ዜጋ ሃገር፡ ኩሉ ትካላት ሃገር`ከ ናተይ ዝብል ኣመራርሓ፡ ምልክት ናይ ዕንትርንኡ ዘይኮነስ ንኩለንትናዊ ጥፈሻኡ ኢዩ ዝሕብር።
ሰንኪ ዋሕዲ መበቆላዊ ሓሳብን ተረድኦታቱን፡ ስሕው ሰረተ-ሓሳባ ኣብ ባህልዊ ሕመረት ናይ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘዕቆቦ ዝነበረ መኣዝናትን ህዝባዊ ትካላትን ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ስለዝተመንከለ፡ ስነ-ምግባራዊ ትሕዝቶ፡ ሞራል፡ ሃገራዊ ሕልና፡ ምጽውዋርን ትዕግስትን ናብ ታሕቲ ዝቕ ኢሉ ስለዝፈረሰ ኢዩ።
ጽማቕ ነጥብታት ፈነወ፡
1. ናይ ሓባር ጸገምና ስርዓታዊ ኢዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተወደበ ተንኰል ኢዩ። ብዝተወደበ ፍትሒ ክሰዓር ኢዩ፡
2. ስትራተጂ ምቕባልን ምንጻግን ነዋስቦ፡
3. ንሓዋሩ ክናናን ምናናን ኢና፡
4. ፖለቲካና ከመይ ንደሞክራስዎ ኢዩ፡
5. ዘሕፍር ሃለዋትና ውጽኢት ግጉይ መረዳእታ ሃገርና ኢዩ፡
6. ብሕመቕ ናይ ካልኦት ነብስኻ ምድዕዓስ ነቋርጾ፡
7. ካብ ኩሉ ሃብቲ ሃገር፡ ኩሉ ዜጋ ሃገር፡ ኩሉ ትካላት ሃገር`ከ ናተይ ዝብል ኣመራርሓ፡ ምልክት ናይ ዕንትርንኡ ዘይኮነስ ንኩለንትናዊ ጥፈሻኡ ኢዩ ዝሕብር።
Просмотров: 38
Видео
ሰሚናር ፈነወታት ታሕሳስ 2024
Просмотров 6 тыс.16 часов назад
ጽማቚ ሰሚናር ፈነወታት ታሕሳስ 2024፡ ኤርትራውነት፡ ብናይ ቀረባ ጎረባብቱ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ጽልእን ቅሚን ተመርኲሱ ዝተሃንጸ መንነት ኣይኮነን፣ ብታሪኻዊ መስርሕን ኣህጉራዊ ሕግን መትከልን ዝተሃንጸ ኢዩ። ኩሎም ናይ ህዝቢ ድልየት ዝቕበሉን፡ ፍትሕን ሰላምን፡ ዝኣምኑን፡ ዘኽብሩን ሰባት፡ ኣካላት ክኸብር መጎታዊ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ሰሚናር ወርሓዊ ፈነወታትና፡ ሓሳባት መቀያየሪ መስርሕን መስኖን ኢዩ። 1. ቅልውላው ዞባና ሕጂ`ውን ተራ ምዕራባውያን ኢዩ ዝቕልሶ፡ 2. ደበና ኲናት ንምግታእ ግዴና ነበርክት፡ 3. ዝተወደበ ተስፋ ንምስራዕ ንጋባእ፡ 4. ጸገም ብሓባር ምስራሕ ከተቓለለ/ከይተፈትሐ፡ ወይ`ከ ፍሕት! 5. ቀዳማ...
ናይ ውግእ ደበና እንደገና
Просмотров 6 тыс.14 дней назад
ናይ ውግእ ደበና እንደገና ጽማቕ ፈነወ፡ 12/22/2024 ኤርትራውነት፡ ብናይ ቀረባ ጎረባብቱ ህዝብታትን ሃገራትን፡ ጽልእን ቅሚን ተመርኲሱ፡ ዝተሃንጸ መንነት ኣይኮነን፣ ብመስርሕ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኻውን ኣህጉራዊ ሕግን መተከላትን ዝተሃንጸ እምበር። 1. ንወስታ ውራር ኢትዮጵያ ንኹንኖ፡ 2. ውዑል ኣልጀርስ ደበናብዘይ ወዓል-ሕደር ይተሓንጸጽ፡ 3. እቲ ብደም ዝተነድቀ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣይተንከፍ! ኣይሸረፍ!! 4. ብዘቤታዊ ጸገምና ኣሳቢብካ ንናጽነትና ምግሃስ ፡ ብትሪ ንነጽጎ፡ 5. ምድንጓይ ዘቤታዊ ምትዕርራይ፡ ሳዕቤኑ ኲናት ምዃኑ ንገንዘብ፣ 6. ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ንስልጣኖም ከዕቑቡን ከናውሑን፡ ኣብ ህዝቢ ዘ...
ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ሃገርና
Просмотров 5 тыс.21 день назад
ጽማቕ ፈነወ፡ ታሕሳስ 15 2024 ኣብ ብቑጽሪ ውሑድ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 300 ዝበጽሕ ቤት ማእሰርቲታት ስለምንታይ ክህሉ ተደልዩ? ንዘበናት ኣብ ሕግን ንሕግ ኣኽቢሩን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለምንታይ ኣብ ውሽጢ 33 ዓመታት 300 (ዝተፈልጠ ጥራሕ) ቤት ማእሰርቲ ተሰሪሑ? 1. ዓቕሚ ሃገር፡ ካብ ዘመንዊ ብልሒ ኢዩ ዝህነጽ፡ 2. ጥረ-ሓይሊ፡ ናይ ግድን ናብ ድኽመት ኢዩ ዘምርሕ፡ 3. ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ሕጋውን ሽርካውን መገዲ ወጻኢ፡ ሕንፍሽ-ፍሽን ህውከትን የስዕብ፡ 4. ስርዓት ኢሳያስ ዘቤታውን ከባቢያውን ሓደጋ ኢዩ፡ 5. ናይ ኢሳያስ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ዓውደ-መወከሲ-ኣልቦ ኢዩ! ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት?!! 6. ...
ከመይ ብሓባር ንሰርሕ ?
Просмотров 6 тыс.28 дней назад
መሬት ዓደ`ቦ ሕላገት፡ ንናይ ሓባር ታሪኽ ዝቐየሰት ምልኣተ-ምሉእል ዘይድርመስ ሕመረት ብመዓርፎ ግዙእቲ፡ሲቪካዊ ሃገርነት። ........ ጭላፍ ናይ ሎሚ ዝቐረበት ግጥሚ። ጽማቕ፡ ፈነወ ታሕሳስ 8 2024፡ 1. ለሚድናዮ ከይንኸውን ዘሰክፍ ኢዩ እምበር ጸገምናስ እናባኣሰ ዝቕጽል ከቢድ ናይ ብርሰት ዑዶት ኢዩ፡ 2. ምህሮ፡ ክብሪ፡ ተመኩሮ፡ ሰለስቲኤን ዓዲ ውዒል ኮይነን፡ ኣብ ነዊሕ ዕግሽ-ግሽ ተሸኺልና፡ 3. ናይ ድሕነት መሓውራትና ተጋቢኦም ይበገሱ፡ 4. ነፍሲ-ወከፍ ኣብ ምፍጣር ጸገመን ፍታሕን ተራ ኣለዎ፡ 5. ውህደት ናይ ደቂ ህዝቢ፡ ናይ ደቂ ውርሻ፡ ናይ ሰብ ሕልና፡ ኢዩ እቲ ፍታሕ፡ 6. ሓቀኛ ድልየትን ተግባርን ጌና ...
ሰሚናር ፈነወታት ሕዳር 2024
Просмотров 5 тыс.Месяц назад
ሰሚናር ፈነወታት ሕዳር 2024 ፍጹማዊ ምልኪ ሓድን ቀንድን ካብ ፖሊሲኡ ኣርዒድካ ምግዛእ ኢዩ። ዝንቡዕ ነሳነትን/ኣነነትን ዝምቡዕ ጠባያት የፍሪ። ምፍሓቚ ክብሪ ወዲ ሰብ፡ ምስብባር ሕብረተሰብን ዜጋታትን ይወልድ። 1. ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ብቐጻሊ ብብርሰት ክንሳቐ ኢና፡ 2. ድሕሪ ናጽነት ብኡ ንብኡ ዕዘታትና ክንሰርዕን ከነማዕብልን ነይሩና፣ ብኣንጻሩ፡ ዝነበሩ ዕዘታትና`ውን ፈሪሶም፡ 3. ህግደፍ ስጊንጢር ጉጅለ ኢዩ። ምስ ማንም ተሓባቢሩ ክሰርሕ ማለት ዘበት ኢዩ፡ 4. ኩሉ ፖለቲካዊ ሓረጋትና ክፍተሽ ኣለዎ፡ 5. ሓቀኛ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ሃገርና ዛጊት ኣይተጀመረን፡ 6. መራሕቲ ዝምልመሉ ፖለቲካዊ ባህሊ ንፍጠር።
ዕግሽግሽ ነዊሑ
Просмотров 9 тыс.Месяц назад
ጽማቕ ፈነወ፡ ሕዳር 24 2024 ሃለዋት ዕግሽ-ግሽ፡ ንክውንቲ ሃገር-ኤርትራ፡ ዝኽሕድ ፖለቲካዊ ጠምበርበርን ዕግሽ-ግሽን፡ ከም ዓራት ዝሓዘ መጻጉእ ጥራሕ`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጥምየት፡ ብድንቁርናን ድሕረት ተረፍነትን እንዳተሳቐየ፡ ቀጻሊ ውግእ ከም ዕላማ ምውሳድ፡ ጠንቁ ዕንወት ጥራሕ`ዩ። 1. ዕግስግሽ ናይ ዘይብሩህ/ዋህማዊ መንጽር ኢዩ፡ 2. ዕግሽግሽ ክስገር፡ ኣድላዪ መንጽርን ቁም-ነገራዊ ተግባርን ይሓትት፡ 3. ዳግመ-ፍተሻ ተመኩሮና ነዘውትር፡ ወይ ከኣ ኣብኣ ኣብ ኮለልን ሳዕቤናቱን ንነብር፡ 4. ፍሉጥ፡ ዝተናወሐ ዕግሽግሽ፡ ዝኸበደ ሳዕቤን የኸትል፡ 5. ነብስኻን ህዝብኻን ከተድሕን፡ ታሪኽ፡ ብቐጻሊ ጻዋዒት ላሕቲታ፡ ...
ሕቶ መሪሕነት
Просмотров 12 тыс.Месяц назад
ግህሰት ናይ ኣእምሮ- ብዝተወደበ ጻዕሪ ንናይ ዜጋ እምነትን ክብሩን ምርማስን ዝተዋደደ ናይ ፍጹማዊ ምልኪ ስትራተጂ ኢዩ። ብናይ ሕልና መቕጻዕቲ ኣቢልካ ምስብባር ሕልና ኣብ ኤርትራ ይረጋገጽ ኣሎ። ስለዚ ቃልስና ኣንጻር ናይ ጥምየት፡ ድንቁርና ድሕረትን ኮይኑ፡ ንመነባብር ህዝብና ሰብኣዊ ክብሪ ንምሃብን ንምድሓኑን ኢዩ። 1. ሕልናዊ ሕወየት፡ መተካእታ ዘይብሉ መሳርሒ ኢዩ። 2. ህዝቢ/ህዝቡ ዝጸልእ፡ ነብሱ ዝጸልእ ጥራሕ ኢዩ፡ 3. ንዝተፈልየ ርእይቶ ዘየአንግድ፡ ሓደጋ ፖለቲካ ኢዩ። 4. መራሕ ሰልፍን መራሕ ሃገርን ነንበይኖም ኢዮም፡ 5. መዐቀኒ መንግስቲ፡ መነባብሮ ህዝቢ ኢዩ።
ከመይ ጌርና ኢና ንበራበር?
Просмотров 24 тыс.Месяц назад
ዝለምዐ እወንታዊ ሃዋሁው ባይታ ኤርትራ ምፍጣር ቀንዲ መበገሲና ይኹን። ተጸበይቲ ዘይኮናስ ቀየስቲ ናይ`ቲ ናብ ለውጢ ዘሰጋግር ኣጋር ክንከውን ንብቃዕ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ምባል! 1. ንፍትሒ ምቅላስን ጉጅላዊ ጽልእን ነንበይኑ ኢዩ፡ 2. ብጉጅላዊ ዕጥቂ ንካልእ ከተጥፍእ ዘበት ኢዩ፣ ናይ ዓቕለ ጽበት ፖለቲካ ስለዝኾነ፡ 3. ዘመናውን ሃገራውን ኣተሓሕዛ ጉዳያትና ጥራሕ ኢዩ መዋጸኦ፡ 4. ሃገራዊ ፖለቲካ፡ ናይ ሽርካ ፖለቲካ ኢዩ። 5. ወይ ምሳና ወይ ምስኦም! ፖለቲካ፡ ናይ ምጥፋእን ናይ ክሑን ጽልእን ምምብሃቚን ጥራሕ ኢዩ፡ 6. ካበየናይ ባይታን ከመይ ኣቢልናን`ኸ ክንበራበር ንኽእልን ምልላይ ቀዳማይ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ።
ሰሚናር ፈነወታት ጥቅምቲ 2024
Просмотров 5 тыс.2 месяца назад
ጽማቕ ፈነወ ሕዳር 3 2024 ብቀቢላ፡ ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ፡ ብዘርኢ፡ ብደረጃ ሃገር ወዘተ.. ብኣልማማን ብጅምላን ምጽላእን ምቕባልን፡ ቀዳማይ መዕቀኒ ድሕረት ኢዩ። ሕመቕና፡ ሓያል ጎኒና፡ ታሪኽና ... ኩሉ፡ ንነፍሲ-ወከፍና ዝትንኪ ምዃኑ ምርዳእ። ሳንፉፍ ፍልልያትና ዝጠስጠሰ ግድግዳ ስለዝኾነ ተሰጋራይ`ዩ ወይ ፈራሳይ`ዩ። 1. ዋላ ብውሑዳት ይኹን፡ ሓበራዊ ንቕሎ ወሳኒ ኢዩ፡ 2. ኣዘምናዊ ሕልና ክውደብ ግድን የድሊ፡ 3. ምትፍናን ነብቅዕ፡ ምግባእ ንጀምር፡ 4. ካብ ጥዑም ኣዋጃትን መደረን ናብ ዝጭበጥ ተግባር ንሰጋገር፡ 5. ህይወት ግብሪ`ዩ ቀለባ፣ ብርግጽ፡ እኪት ግብሪ ከኣ ክፍኣት`ያ ተፍሪ፡ 6. ጽልኢ፡ ኣብ እዋን...
ናይ ጽልኢ ፖለቲካ
Просмотров 17 тыс.2 месяца назад
ፈነወ ጥቅምቲ 27 2024 መዋጽኦ ካብ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ እንታይ`ዩ? 1. ናይ ጉጅለኻ ጻልጣ መርገጽ`ዶስ ናይ ሃገር ፖለቲካ? 2. ድስኩል ፖለቲካ`ዶስ ንጡፍ ህይወታዊ ፖለቲካ? 3. ኣስከሬን ውድብ`ዶ ስጋን ደምን ሃኒጹ ዝዓቢ ውድብ? 4. ናይ ምትሕብባር ሃገራዊ ፖለቲካ`ዶ ናይ ኣፋናፋን ፖለቲካ? 5. ናይ ምስርራዝ ጽልእን እንኪሒራን ናይ ምግፋሕ ፍልልይ`ዶስ ፍልልይ ምቕባልን ሓቢርካ ምስራሕን? • * ንሕና ከም ንሕናን፡ ንብዙሕነት ኤርትራ ከይተቐበልካን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ፖለቲካ ምዝራብ፡ ናይ ኣምሰሉነት ጥራሕ`ዩ!
ዳህሳሲ መዋጸኦ
Просмотров 8 тыс.2 месяца назад
ጽማቕ ፈነወ ጥቅምቲ 20 2024፡ 1. ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ምህናጽ ዘመናዊት ሃገርን ክሳብ ሕጂ ፈሺልና ኢና። ኣበይን ከመይ ኢና ፈሺልና ምፍላጥን ምፍታሕን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከመይ ኢና ክንዕወተሉን ንኽእል ኢልና ፍታሕ ምፍታሽ መባእታዊ መበገሲ`ዩ። 2. ብሓባር ንምስራሕ ክእለትን ድልየትን ነጥሪ፡ 3. ሓድነት ብሃገራዊ ኣጀንዳታት ንስራዓዮ፡ 4. ሃገረ-ኤርትራ፡ ትሕዝቶኣ፡ ጽንብራ፡ ብዙሕነታ ብግቡእ ንፍለጦን ክብሪ ንሃቦን፡ 5. ናጽነት፡ ቅድም ብኣንድነትን ራቢጣን ፍልልያት፡ ካልኣይ- ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብኲናት ሓድ-ሕድን ኣዳኺምናያ፡ ሳልሳይ- ድሕሪ ናጽነት ፋሕ-ፋሕ ኢልና ምብቃዕ ስኢናያ። 6. ሓድነትን ሓደ ዓይነትነት...
ሰሚናር ፈነወታት መስከረም 2024
Просмотров 8 тыс.2 месяца назад
ጽማቕ ፈነወ፡ 1. ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡር ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ`ዩ። መን ጀሚርዎ፡ ክንደይ ሰዓብቲ ነይሮሞ? መን`ከ ደጊፍዎን ኣይደገፎን? ክንደይ ዝኸውን ብረት ነይርዎ? ዘይኮነስ፡ ንዝተሓደገ መሰል ሃገራዊ ናጽነት ናብ ቦትኡ ንምምላስ ዝተበገሰ ቅኑዕን ርትዓውን እዩ። 2. ስለዚ፡ ብረታዊ ቃልስና ብዝወረዶ ማሕበራዊ ክሳራ ዘይኮነስ በቲ ፖለቲካዊ ዕላምኡ`ዩ ክልካዕ ዘለዎ። 3. ቀዳማይ ጥቑዕ ኣብ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። 4. ጠንቂ መንቀሊ ስደትን ፍልሰትን መንእሰያትና ዝንቡዕ ዘቤታዊ ፖለቲካና`ዩ። 5. ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ፡ ሃገርና ካብ ውግእ ዓረፈ ማለት ሓሶት ኢዩ። 6. ብስዑር ሕልና...
ረስኒ ዞባና
Просмотров 4,4 тыс.3 месяца назад
ጽማቕ ፈነወ፡ 09 22 2024 1. ክትዕ ምሁራት ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዓሰብ ዘልዕልዎ ሕቶ፡ ዘይሕጋውን ዘይስነ መጎታውን ዘይሓላፍነታውን`ዩ፡ 2. መሬትናን ባሕሪታትናን ሰማያትናን ብኣህጉራዊ ሕጊ ፍሉጥን ውሑሱን`ዩ፡ 3. ቀንድን ድልዱል ነባርን ውሕሰነት ሃገርና ግን፡ ዕብየትን ሓድነትን ህዝብና እዩ፡ 4. ልዕላውነትና ብፍትሓውን ሓድነታውን ህዝብና`ዩ ዓንዱን መሰረቱን፡ 5. ምሕደራ ኣስመራ ንሃገርና ብምድኻም ብኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ የድፍራ ኣሎ። 6. ሕጋውን ርትዓውን ዝተጣሕሰ መሰል እንተልይዎም፡ ብሕጊ ኣብ ሕጋዊ ባይቶ ቆይሞም ይመጉቱ፡ 7. ኣብ ክንዲ፡ ብውክልናዊ ውግእ ንህዝቢ ናይ ዞናና፡ ብድርቂ፡ ብጥምየት፡ ብሕማም፡ ብዋሕ...
ኰይኑና ድዩ!
Просмотров 3,9 тыс.3 месяца назад
ጽማቕ ፈነወ፡ መስከረም 15፡ 2024 1. ንህግደፍ ምድጋፍ ንቡር ፖለቲካዊ ምርጫ ኣይኮነን፣ ሕልናዊ ገበን`ዩ፡ 2. ህዝቢ ዝዓሰሎ ዝተወደበ ተስፋ፡ ዛጊት ከነጥሪ ኣይክኣልናን፡ 3. ህዝባዊ መንፈስ ከይተፈወሰ፡ ለውጥን ሰላምን ክተውሕስ ዘበት`ዩ፡ 4. ለውጢ ንምዕዋት ኣብ ነብስኻ ይጅምር፡ 5. ናብ`ቶም ተቓሊሶም ነብሶም ሃገር ዘዕቆቡ ካብ ንሃድም ሃገርና ንምዕራይ ንምረጽ፣ ኣህጉራዊ ስእልና (ናይ ፍልሰት) ብእግሮም ዘደምጹ! መሲልና። 6. ንኤርትራ ካብ ጸላእቲ ንካላኸለላ ኣለና እንዳበልካ ንግዝያዊ ስልጣንካ መናውሒ ካብ ምሕላን፡ ህዝብኻ ኣሐይልካ፡ ንጸላእቲ ምምካት ነባርን ሓቅን ምኾነ። 7. “ከይኑና ድዩ!” ርእሰ-ዘተና፡ ...