Размер видео: 1280 X 720853 X 480640 X 360
Показать панель управления
Автовоспроизведение
Автоповтор
ብዛንታ ከም እንሰምዖ፡ ሓደ ጳጳስ ብጣዕሚ ድኽነት ህዝቢ ትግራይ ድቃስ ዝኸልኦም ኣብ ግዜ ኃይለ ሥላሴ ያኢ ኔሮም ይብሉና። ድሕራይ ድኽነት ንምጉዳል እምነትና ክመሓየሽ ኣለዎ ኣብ ዝብል መደምደምታ ያኢ በጺሖም። ዳሕራይ ሓደ ግዜ ጽዮን ሓዳር ምዕልቲ ናብ ኣኹስም መጺኦም ብኣዋጅ መልክዕ በዓላት ክቕነስ ከም ዘለዎን ብዘይካ ታቦትኩም እትውዕለላ ምዕልትን ቀዳመ ሰንበትን ካልእ ምዕልቲ ኮፍ ኢልኩም ኣይትውዓሉ፡ ካኅናት እውን ኣይትገዝዙ፡ ቅዳሴ'ውን ኣብ ክንዲ ብ5 ዝኸውን ብ3 ይቀደስ፡ ኢሎም ኣውጆም ይበሃል። ወዮም ቤተ ክኅነት ፀረ ማርያም ኮይኖም እዮም ኢሎም ኣውርየምሎም፡ ቀደሙ'ውን ፈላሲ ጳጳስ እንተኾይኑ ፀረ ማርያም እዩ ዝኸውን ኢሎም ኣውርየምሎም ይበሃል። በዚ ምኽንያት'ዚ ኣዋጆም ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ከንቱ ኮይኑ ተሪፉ። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሃገረሰብ ብ5 ልኡካን እዩ ዝቕደስ። ሓደ እንተ ተሪፉ ይበኹር። ሽዑ ቅዳሴ በዂሩ ይበሃል። እቶም ጳጳስ ኣይደንጎዩን መይቶም ይበሃል። መቸስ ኣብዛ ዓለም ዝነብር የለን።ካብቲ ዝኣወጅዎ ግን ወላ ሓንቲ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ምናልባት ሎሚ ገዚተካ እየ ዝብል ካህን ዘሎ ኣይመስለን። እቲ ምእመን'ውን ብልምዲ ዳርጋ በዓለይ ኢሉ ተኾርምዩ ዝውዕል ዘሎ ኣይመስለንን። ግን ብፍልጠትን ንቕሓትን እትገብሮ ነገር ይፈላለ እዩ። ስለዚ ሎሚ ዝተማህረ ሰብ ኣብ ሕ/ ሰብ ምንቃሕ ክዋፈር ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ኣብ እንዳ ስዋ ኮይኑ ካብ ዝሓሚ ክነቅሕ ክመሃር ኣለዎ። እቶም ተማሂርና ዝብሉ ሰባት ድማኒ ኣፍልጦን ትምህርትን ኣብ ምስፋሕ ክዋፈሩ ኣለዎም። ድሑር ባህልን ልምድን ዘዘውትር ሕ/ሰብ ስርዓትን ሕግን ኣይፈቱን። ስለምንታይሲ እግዚኦ ምባል ስለ ዝለመደ።
ዜሩ ዜሩ ናብይ ንኸይድ ኣለና ማለት'ዩ፡ ዘይንቕሑ ሕ/ሰብ ከም ዘለና ኢና ንዛረብ ዘለና።ንኣብነት ብሕጽር ዝበለ ቃላት ክንገልጾ ድማኒ፡ ኣቡነ ተ/ሃይማኖት ዘሸዋ ዝበሃል ሰብ ዝነበረ ነገር ግን እዛ ቤተ ክኅነት ከም ቅዱስን ጻድቕን ጌራ እትሓስቦን እትሰብከሉን ሰብ ኣሎ። ተኣምራት ተጻሒፉሉ፡ ገድላት ተጻሒፉሉ፡ መልክዓ-መልክዕ ተጻሒፉሉ። ኩሉ እቲ ታሪኽ ሓሶት እዩ። እዛ ቤተ ክኅነት ግን ከም መልኣኽ ጌራ እያ እትምህረሉን እትሰብከሉን። ስለዚ ብኸምዚ ዓይነት ናይ ሓሶት ታሪኽ ዝደንዘዘ ህዝቢ ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት እንተ መሃርካዮ ኣይግዱን። ምኽንያቱ ዕምነቱ ብዛዕባ እቲ ብሓሶት ተነጊርዎ ዘሎ ታሪኽ እዩ ዝሓስብ። ስለዚ መንእሰይ ሓይሊ ከተንቅሕ ይግባእ።
ንኽገርመኩም፡ እዚ ተ/ሃይማኖት ዝበሃል ሰብ እቲ ናይ ሓሶት ታሪኹ ንሸውዓተ ዓመት ብሓደ እግሩ ጠጠው ኢሉ ይብል።ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ሓደ እግሩ ቆራጽ ኮይኑ ተሳኢሉ ኣሎ። ህዝቢ ድማኒ ተክሌ ብርሃን ዘኢትዮጵያ ወህዝባ እንዳበለ ይሰግደሉ ይጽልየሉ። ብኸምዚ ዓይነት ዝደንዘዘ ህዝቢ መሰል፡ ናጽነት፡ ዝብሉ ኣምራት እንተ ኣልዒልካሉ ኣይግዱ። ሎሚ'ሞ ከዓ ኣርሴማዶ፡ ንግስቲ እሌናዶ እንዳበለ ቤተ እምነታት ዝሰርሕ ህዝቢ መሊኡ። ስለዚ እዚ መንእሰይ ሓይሊ ክነቅሕ፡ ክውደብ፡ ክመሃር ይግባእ። እዚ ኣብ ሓሶትን ምድንጋአን ዝተሞርኮሰ ሰባካን ትምህርትን ኣየዋጽእን። 1:01:18