ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ሃይሉሽ ኣርኣያ ምስ ሰርዶ ክፍለ ሰራዊት ነሓሰ 2013ዓ/ም
HTML-код
- Опубликовано: 7 фев 2025
- ካብ ጨከንካስ ብሰላም ዕረፍ ሃይሉሸይ።
ጽንዓት ንመላእ ቤተሰብ መሓዙት መሳርሕቲን ብጾትን
#ሓፂር ሂወት ታሪክ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ስነ-ጥበባዊ #ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤልስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ስነ-ጥበባዊ ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ካብ ኣቡኡ ቐሺ ኣርኣያ ዘሚኪኤል ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣስኳል ተካ ብዕለት 12/02/1991ዓ/ም ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ 2ተ ኣዉላዕሎ ጣብያ ኣ/ወ/ኣፅብሃ ቑሸት ዓዲ ኹላላ ወይከዓ ሰላም ተወሊዱ።ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ስነ-ጥበባዊ ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ዕድሚኡ ናብ ትምህርቲ ምስበፅሐ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ኣብ ሙሉእ ቀደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣ/ወ/ኣፀብሃ ብዝለዓለ ፀብለልታ ተሸላሚ ብሙዃን ተማሂሩ። ብምቅፃል ድማ ካብ 9ይ ክፍሊ ክሳዕ 10ይ ክፍሊ ኣብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዉቅሮ ተማሂሩ። ካብ 11 ክሳብ 12 ክፍሊ ድማ ኣብ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዉቅሮ ኣጠናቂቁ። ብምቅፃል ብዝነበሮ ናይ ትምህርቲ ድልየት ካብ ኢትዮ ሌንስ ኮሌጅ ስርዓት ምሕደራ ፋይናንስ ወይድማ ኣካዉንቲንግ ብ2012ዓ/ም ብኤ ድግሪ ተመሪቑ። ጎናጎኒ ትምህርቱ ድማ ብዝነበሮ ፉሉይ ድልየት ሙዚቃን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኪነት ክንቀሳቀስ ድሕሪ ምፅናሕ ልፍንታዉያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝነበሮም ፅልኢት ብዝግባእ ብምርዳእ ነቲ ዝኣለምዎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ቀዲሙ ብምንቃሕ መስከረም 2012ዓ/ም ኣጆና ዘርእስታ ንህዝቢ ትግራይ ሓቦ፣ፅንዓትን ቆራፅነትን ተስንቕ ኣብ ዋዜማ እቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ነፀላ ዜማ ናብ ህዝቢ ለቂቁ ነይሩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ስነ-ጥበባዊ ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ኣብ 24/02/2013ዓ/ም ብዝወረደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኣዋጅ ካብ ዝተኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ህልኽን ወነን ብምሓዝ ኣነ እናሃለኩ ህዝቢ ትግራይ ኣይሰኮንን ኣዶ ትግራይ ኣይትነብዕን ሓፈተይ ኣይትድፈርን መንእሰይ ትግራይ ኣይሕረድን ብምባል ምስ ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ ኾይኑ ብዕለት 25/04/2013ዓ/ም ናብ ከባቢ ኣፅቢ፣ በዓቲ ዓኾር፣ ፅጌሬዳ፣ ሓዉዜን ብምንቅስቃስ ሞራልን ስነ-ልቦናን ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ምህናፅን ምልዕዓልን ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ልፍንታዉየን ወረርቲ ኣደታትና ደፊሮም ኣሕዋትና ቀቲሎም ከይኣክል ንዝቐተልዎም ኣሕዋታትና ኣሓትናን ሓመድ ድበ ከይረክቡ ድራር ኣሞራ ኩኾኑን ዝረአየ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ሰላምታይ ይብፃሕኪ ኣደይ ካብ በረኻታት ትግራይ እትብል ኣብ በረኻ ኾይኑ ንኣዴታት ክብሪ ትገልፅ ነፀላ ዜማ ንካልኣይ ግዜ ለቂቁ።ብተወሳኺ ድማ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ብዝነበሮ ፉሉይ ክእለት ኪነ-ጥበብ ነቲ ኩነታት ዝምጡኑን ዘለዓዕሉን ሙዚቃታት ማለት እዉን:- 1.“ንዒሩሩ ከላሽነይ” ናይ ተጋዳሊት ኣርቲስት ኤልሳ ወ/ጂወርጊስ ግጥምን ዜማን 2.“ኣደዋይ” ናይ ተጋዳሊት ኣርቲስት ኤልሳ ወ/ጂወርጊስ ግጥምን ዜማን ሰሪሑ እዩ። ካብ ናይ ቃልሲ ወፃኢ ዝሰረሖም ባህላዊ ሙዚቃ ድማ:-3. “ጓል ኣቦ ምህረይ” ናይ ድምፃዊ ሓጎስ ገ/መድህን ነፀላ ዜማ ግጥምን ዜማን 4. “ተመችዩኒ” ናይ ድምፃዊ ቢንያም የዉሃንስ ነፀላ ዜማ ግጥምን ዜማን5. “ረኣይዋ” ናይ ድምፃዊት እዮርሳሌን ግሩም ነፀላ ዜማ ግጥምን ዜማን ካልኦትን ሰሪሑ እዩ።ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ኣቦ ክራር እንትኸዉን ካብ ክራር ብተወሳኺ ድማ ፒያኖ፣ኦርጋን፣ ጊታር፣ ጭራ ዘኣመሰሉን ካልኦትን ናይ ሙዚቃ መሰራሕታት ይፃወትን ይዕጅብን ነይሩ።ብዕለት 01/13/2013ዓ/ም ኣብ መስልጠኒ ማእኸል ኣጉላዕ ብምእታዉ ኩለ መዳይ ስልጠና ማለት እዉን ወታደራዉን ፖለቲካዉን ክእለት ብምዉናን ምስ ንእስቲ ሓፍቱ ዋዕሮ ተጋዳሊት ኣስቴር ኣርኣያ ዘሚካኤል ብሙዃን ናብ ሓይልታት ምክልካል ሰራዊት ትግራይ ኣካል እቲ ቃልሲ ኮይኑ ክፅንበር ኪኢሉ እዩ። ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ካብ ምብራቃዊ ዞባ ማእከል መሰልጠኒ ኣጉላዕ ናብ ኣርሚ 42 ኮር 3 ክ/ሰራዊት ሓየሎም ሬጅመንት 1 ሓይሊ 1 ብዕለት 12/02/2014ዓ/ም ኣብ ከባቢ ዓፋር ተፀንቢሩ።ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ድሕሪ ናብ ክ/ሰራዊት ሓየሎም ስታፍ ኮይኑ ምፅንባሩ ሓደ ኢሉ ኣብ ዉግእ ካብ ዝተሳተፈሉ ዓዉደ ግንባራት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከምዝበሃል ኣብ ኪባቢታት ካሳጊታ፣ ሃራ፣ ሃርቡ፣ድሬ ሉቃ፣ ጭፍራ፣ ቡርቃ፣ ሚለ፣ ባቲ፣ ብጅግንነት ተዋጊኡ ምስ ብፆቱ ብምዃን ብዓወት መሰሰ ዝበለሎም ዓዉደ ዉግኣት እዮም።ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ሰራዊት ትግራይ ብዝገበሮ ናይ ቃልሲ ለዉጢ ካብ ደብረብርሃን ንድሕሪት ክምለሱ ብዝወረደሎም መደብ መሰረት ምስ ፀላኢ ክሳድ ንክሳድ እናተሓናነቁ ብጅግንነት መልሲ ኣብዝገብርሉ ግዜ ኣብ ከባቢ ቆቦ ዘዉል እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሃንደበት ካብ ፀላኢ ብዝተተኮሰ ናይ ድሮን(ሰብ ኣልባ ነፋሪት) ብዕለት 02/04/2014ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መበል 23 ዓመቱ ምእንተ ዓዱን ምእንቲ ህዝቢ ትግራይን ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ዘይሓልፍን ዘይሃስስን ድሙቅ ታሪክ ብደሙ ፂሒፉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።ናይ ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ኣላማጣ እንዳዮሱስ ቤተ-ክርስትያን ብክብሪ ዓሪፉ እዩ።ስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርኣያ ዘሚኪኤል ብመጠኑ ሰሓቅን ተፃዋትን ትሑት መክበሪ ሰብ ፈታዊ ዓዱ፣ ወለዱ፣ ኣሕዋቱ፣ኣዕርኹቱን መታዓቢቱን ነይሩ። ንስዉእ ጅግና ተጋዳላይ ኣርቲስት ሃ/ማርያም ኣርያኣ ዘሚኪኤል ፅርሃ ኣርያም መንግስተ ሰማያት የዋርሶ።ንመላእ ቤተሰቡን መታዓቢቱን ፈተዉቱን ብፆቱን ፅንዓት ይሃብኩምጅግና ታሪክ ይሰርሕ እንበር ኣይነብርን!ክብርን ሞጎስን ምእንቲ ህዝቦምን ዓዶምን ኢሎም ክቡር ሂወቶም ዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታትና።
አብዪይ መናጢ ጀጋኑና ልወዳእካልና አብ ደቂካ ርከቦ
ዋይይ ከሐምም ሃይሉሸይ ኣኪልዎ ድዩ ስዉእ ኮይኑ ሽሙ ሓወይ መዓረይ ብሰላም ዕረፍ ኣብ ሕቅፎ ቅዱሳን የንብርካ 🙏😢😢😢😢
😢😢😢😢😢ሃይሉሸይ አብ አፀደ ገነት የንብርካ ኑኡሰይ ቅያ ትግራይ ነርካ ዓለም ከዳዕ ወሲዳትካ 😢😢😢😢😢😢😢
ዝሓወይ መዓረይ ብሰላም ዕረፍ ፈጣሪ ኣብ ኣፀደ ገነት የንብርካ ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብና ስማእታትና ክብሪ ንዓኹም
ወይ ፁሩይ ሓወይ ሃይልሸይ አታ ጅግና መንግስተ ሰማይ የዋርስካ ፈጣሪ ብየማናይ ኢዱ ይቀበለካ❤❤❤❤😭😭😭😭
ሓቦን ፅንዓትን ን ምሉእ ህዝበን ሰራዊት ትግራይ
ክብርን ሞጎስን ንሰማኣታት ትግራይና
ፅንዓት ን ኣዶ ትግራይይይ 😭😭😭😭💔💔💔💔
ሃይሉሸይ ኣሕ ዓለም😭😭😭ክብርን ምጎስን ንጀጋኑ ንስውኣትና
ናይዚ ሓውና መሰውእቲ ሒቀና ሰሩና ዋይ ዋይ ዓለም ከንቱ 😢😢😢😢 አብ ሕቅፉ ቅዱሳን የንብርካ ጎይታዋይ❤
መስዋእቲ ጀጋኑና ንኸይርሳዕ አብ ታሪኽ ማሕደር ሓደራ ይሰነድ ። ዓኽ እዞም የሕዋተይ ዓይኒ አባይኩም ይደፈን።❤❤❤❤❤❤
ብሰላም ዕረፍ ንኡስ ሓውና ጅግና ብዝረኣናካ ኹሉ ግዜ ሓዚና ኹሉ ግዜ ኣብ ልብና ትነብር ኢኻ ፅቡቀይ 😭
አብ ልብና ንዘልአለም ትነብ ጅግናና መስዋትካ ብከንቱ እይተርፍን እዩ ትግራይ ክትዕወት እያ💪🏾
ሃይሉሸይ ብሰላም ዕረፍ ጎይታዋይ ኹሉ ግዜ ኣብ ልብና ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን😭💔😭
ኣብ ገነት የንብርካ ክቡር ሓውና ማዓረይ ብሰላም ዕረፍ🙏😥😥😭😭
ብሰላም ዕረፍ ጅግና ሓወይ! ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!
ሃይሊሸይ ጀግና መፆኢ ዕድል ነይርካ ማዓአይ ካብ ኮነስ ኣብ ገነት የንብርካ ክብርን ሞጎስን ንዓኹም ሰማእታት ትግራይ😭😭😭😭😭
ሃይልሸይ ጅግና ምእንተ ህዝብካን ዓድካን ክብርቲ ሂወትካ ከይ ሰሳዕካ ሓልፍካ ኢካሞ ኣምላክ ንእስነትካ ሪኡ ኣብ ገነት የንብርካ ማዓረይ
አህ ሀይሉሽ ሐወይ ማዓንጣና ሐሪሩ አብ ገነት የንብርካ ጀጋኑና
ያዉይይ ኣታ ወድነይ ዘለዎ ቦታ ሓቡርለይ😢😢😢😢😢😢😢 ኣታ ተቃፀልኩ ምዕባየይ ኣታዬ ፀልሚትኒኮ ኣታ በጃኩም ሃይሉሸይ rip ኣይትበሉለይ ኣይሞተን ኡይይይ😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ኣጆኺ ማዓረይ😢😢
ሓፍተይ ኣፃንዖ ይሃብኪ ኣይኮነን ንስኺ ኣንሕና ኣይከኣልናን ካብ ብሱል ጥረ እዩ ተመሊሱ ሰራዊትና 😭
እፍፍ ኣጆኪ ዛሓፍተይ እመብርሃን ተፅናዕንዕኪ ከብድ እዩ ሓዘን ወድነ💔😭😭😭😭
የፅንዕኪ ታይሞ ክንብ💔😭
ሃልሸይ ኣይተደረዐና ዶ ናለመናካስ😭
ኣጆኺ እምበይተዋይ ታሪኽ እዩ ሰሪሑ ተሰዊኡ ክብርን ሞጎሰን ንስዋኣትና😭
ናትካ ንበይኑ እዩ ሓዘኑ 😭😢ንኡሰይ ዓደይ እናበልካ ከይድካ ብዝረኣኩዎ ቁፅሪ የንበዐኒ ንኡሰይ ኣብ ኣፀደገነቱ የንብርካ
እፍ ሃይሉሸይ በቃ ድዩ ሰውእ ተባሂልካ💔😭😭😭ተሰፍ ትግራይና ነይርካ ዓለም ግን😭💔
ሃይሉሸይ ግርማ ትግራይና ውይ በስማኣም ወላድ ትረክቦ ጎይታዋይ ኣብ ሑቁፊ ቁዱሳን የንብርካ ወዲእነዋይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና 😢😢😢😢
ዋይ ኣነ ሓወይ ክትቅበሎ ዘይትኽእል መርርር ሓቂ ኣነስ ምኣስ እየ ክኣምን መስዋእትኻ ኣብቲ ፀላም ግዜ ተስፋ ዝኸንካና ጅግና ወዲ ህዝቢ 😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢 😢😢😢😢😢😢😢😢
ወይኔ ወንድሞቼ አፈር ልብላላችሁ ለህዝባችን ብላችሁ ሂወታችሁ ሰዋችሁ ሁሌም በልባችን ትኖራላች ነፍስ ይማር ትግራይ በልጆቻ ኮርታ ትኖራለች
Tanx❤
ሃዩልሸይ በይዛ ህዝቡ ነብስካ ብሰላም ትዕረፍ
😢😢ሕራሮት 😭😭😭😭
ሃይሉሽይ ኣምፅእዎ😭😭😭
ኣጆኺ ዛምበይተይ ጅግና ታሪኽ ይሰርሕ እምበር ኣይነብርን ክብር ሞጎሰን ንሰማኣታትና😭
TDFey My hero martyrs R.I.P. we're very proud of you and will not forget your at most sacrifices! My deepest heartfelt condolences to my people!!!🙏🏾💔😭💛❤️✊
ንኡሰይ አብደ አፅደ ገነት የነብርካ 😭😭😢😢😢😢😢😢
ኾነ ኢሎም ይኸውን ቀቲሎሞ
ንዝ ደርፊ ምስ ሰምዑ
ነፍስኻ አምላኽ ኣብ ዓጸደ ገነት የንብራ
ንኡስ ሓውና ጅግና ❤️💛❤️💛❤️💛❤️
ሃይልሸይ ዝሓወይ ሓልፍካ ሓልፍካ ዶየ ርጋፅካ ናፍቀ እንድየ💔🥺😭ብሰላም ዕረፍ ወድነይ😭😭
ነብስኻ ብሰላም ትዕረፍ😢
ጎይታዋይ ኣየ ዓለም አብ ገነት የንብርኻ ሃይሉሸይ😢😢
ሃልሸይ ኣብ ገነት የንበርካ ኡፍፍፍ ሕራሮት 😢😢😢😢😢😢
ሓወይ ብሰላም ዕረፍ 💔😢😢 ኽብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ንሰማእታትና 😢💔❤️🙏
ሃይልሸይ እግዛብሄር ኣምላክ ኣብ ኣፀደ ገነት ያንብረካ እዉይ ዓለም ጠላም ናይኻስ ንበይኑ እዩ😢😢💔💔
ምዐረይ መንግስተሰማይ የዋርስካ ልበይ አህሚምካዮ ወድነይ
ሃይሉሸይ ጅግና ብሰላም ዕረፍ ወድ ኖዋ💔😭😭
ሃይለሸይ ኣብ ገነተ ያንብሪኻ🙏 😢❤😭
ብሰላም ዕረፍ መንግስተ ሰማይ ያዋርስካ
ብሰላም ዕረፍ ሃይሉሸይ💔🖤😭
ብሰላም ዕረፋ ሰማእታትና
ሃይልሸይ ጎይታኣዋ አነስ ሓረርኩ ናይካ ሞት ምእማን ኣብዩኒ 💔😭😭😭😭😭
ብፆተይ አሸወይ😭😭😭😭😭😭😭😭😭
ብሰላም ዕረፋ ዛሓወይ😢😢😢😢😢😢😢😢
ዘሕዝን እዩ ክብር ሞገስን ንስውዓትና
ብስለም ትዕረፍ ነብስኻ ወደነ ዋ😭😭🖤🖤😭😭
Halushey😭💔alem Ati Chekan Goyom Keytsegebu eba Yhwatna Kolifklna Ahhhhhhh💔😭😭😭😭😭😭😭💔💔💔💔💔💔😭😭😭😭😭😭
Rest in peace, our hero. We always remember you and thank you for your sacrifices.
ብፆተይ💔💔💔💔💔💔💔💔💔💔💔💔💔
ወይ ዝሓወይ ማዓረይ ብዝረአኹዎ ቁፅሪ ሓረርኩ እፍፍ ዝሓወይ
እፍፍፍ ድፍእ ተብለኒ ጎይታዋይ እንታይ ነይርዋ ብሂወት ተዝህሊ ሃይልሽይ 😢😢😢😢😢💔💔💔
ይኸብድ ልበይ በጣዕሚ ሐዚነ 💔 ኧሕሕሕሕ ጅግና ሓወይ ብሰላም ዕረፍ መንግሰተ ሰማይ ያዋርሰኻ 😢😢😢😢😢😢
ያውይ ሃይሉሸይ ካብ ኮነ መንግስተ ሰማይ የዋርስ
ናይ ኩሉ ግዜ ጅግናየይ ኢካ ጎይታዋይ 😭💔
ዋይዋይ ኣታ እዝ ጥዕም ድምፅ ሃይልሽይ ኣምፅኡለይ ኣንስ ሓረሩክ እፉፉፉፉፉፉፉ🖤🖤🖤🖤🖤😭😭😭😭😭😭💔💔💔💔
መዓረይ ነብስኻ ብሰላም ትዕረፍ 😭
ሃይልሸይ ዘለኣለም አብ ልብና እኺ ወድነይ ❤💛❤
God bless 🙏🙏🙏 Hailshye my brother full respect to all our hero's proud all of you Because you Tigray people births and peace ✌️🕊️
ሓመድ ብልዕ ተብለኒ ዝኩላይ ጥበብ ዝኩላይ ፍለጠትን እንከይፎፆምካዮ ተሚኒትካን ሓሳብካን ኣብ ንእስ ዕድሜካ መስዋቲ ሞት ከፊልካልና ወድነይ ድፍእ ተብለኒ ዋ😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢ሓመድብልዕተብለኒዝኩላይጥበብዝኩላይፍለንእንከይፎፆምካዮተሚኒትካንሓሳብካንኣብንእስዕድሜመስዋቲከፊልሞትካልናወድነይድፍእተብለኒዋ 😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ሃይለሸ ሓወይ ልብና ቆሲሉ
😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭አይይይይይ ጀግናይይይይይ ኡዙኹል ውበት አብሀመድ ፈሲሱቐሪዩ
ሃይልሽይ ኣብ ገነት የንብርካ😭😭😭😭
ኣብ ገነት የንብርካ ሃይሉሸይ መዓረይ😂😂😂😂😂😂😂😂😂ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኢኻ❤❤❤❤❤❤❤
ዘለአለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና 😢😢😢
😢😢😢😢😢😭😭😭😭haylshey beal merwah demitsi ab genet yenbrka🙏
ብሰላም ዕረፍ
ሰርዶ ሓወይ ወዶነይ ዝበልዐትለይ ዓሕ አሕዋተይ😢😢😢😢
ሰብ ኣይነብርን ታሪኽ ግን ነበሪ ህያው ተዘካሪ ብሰላም ዕረፍ ጅግና 😢😢😢😢💔💔❤❤❤💪💪💪💪💊💊💊💊
ሃይልሸይ ወድነይ እዚ ካብ መረፅካ ብሰላም ዕረፍ
ሃይሉሸየ🇻🇳🇻🇳🇻🇳🇻🇳🐅🐅🐅😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭🇻🇳😭😭🇻🇳😭😭😭😭😭😭😭😭😭በዝኻ ደኣን አሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕሕ .ዋይይይይይይይይይይይይይይይይ
😭😭😭😭😭hawey natey haylushey
ብሰላም ዕረፍ ንኡሰይ😢
ሃይሉሸይ😢😢😢😢😢💔💔💔😭😭
ሃይሉሸይ😢😢😢
ብሰላም ዕረፍ ዝሓወይ መዓረይ 😭😭😭😭
ሃይልሸይ ኩል ግዜ ኣብ ልብና ክነንብረካ ኢና ዝሓወይ ኣክክ💔😭😭😭😭😭😭😭
😢😢😢😢😢😢😢😢😢 ሃይሉሽይ ኣህህህህህህህ
ሃይሉሸይ ናተካስ ፉሉይ እዩ ካዓ😢😢😢😢😢
Proud of you our Tigrean Heroes !!!
እግዚብሔር ኣምላክ ኣብ ገነት ያንብርኺ😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ሃይልሸይ ብሰላም ዕረፍ ወድኖ💔😭😭😭
እፍፍፍፍፍ ዓለም ጨካን😭😭😭😭😭😭💔💔
ኣለኹም ዶ ከምዚ ከማይ ብመስዋእቲ ሃይሉሽ ልብኹም ዝቆሰለ😢😢😢😢😢😢ሓደ ሓደ ጊዜ ከምዚ ክሪኦ ከለኹ ካኣ ዘይቀብጽ ገለ ዶኾን ሳፕራይዝ ይገብረና ይኸውን ኣየቀበጽኩን ደልኹ ኣነ😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ኣነለ ወይኔ ሓደ ሓደ ጊዜ ሕልሚ ድዩ ይብል ኡፍፍፍፍ ዋይይ ንኡሰይ ዋላ ሓንቲ interview ድዮም ለይገበርሉ😭😭😭
😢እህህህህ😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢እወ ልብና ደምዩ ሕቖና ተሰቢሩ ብናይ ሃይልሸይ መስዋእትስ ሕርርር እየ ኢለ ኣብ ገነት የንብርኻ ምስ ቶም ክቡራት ብፆትኻ ሃይልሸይ ጎይታ ትግራይና ነይርኻ ዓሕ
ኣለና እወ 😢😢😢😢😢😢😢
@@ዮዳሄንበልዮዳሄንኩሉ😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ኣሕሕሕሕሕ 😭😭😭😭😭😭
እዛ ርግምቲ ኣርሚ 31 ሰርዶ ክፈለሰራዊት ኣሕዋትና እባ ኣሕረረቶም 😭😭😭😭😭😭
ሃይሉሽይ እፍፍፍፍ እዋይ ኣሕዋተይ😢
ጅግና ወዲ ህዝቢ
ነብስካ ኣብ ገነት ትንበር ::
Ayy Ahwateyy Haylushey😭💔😭
ኣት ዓለም ብላሽ ሃይልሸይ 😭😭😭😭😭😭
😢😢እህህህህ😢😢😢😢😢😢
ዘሓወይ 😢😢😢😢
😭ኣብ ገነት የንብርኹም 💪
😢😢😢😢😢😢😢😢😢way,hawey😢😢😢😢
ኣሕሕሕሕሕሕ😭😭😭😭😭💔🖤🖤🖤😭😭😭😭
ኣሕሕ ሃይልሸይ መሪር ሓሙቱ መጨረሻ ዓለም ኸይድኻ ዋ መኣዝ ኸ ትኣቱ ወላድትኻ መዓንጣኣ ትቆርፁ ሞይቱ ምድሪ ጠላም
ሃይሉሸይ ተዛካሪ በቃ ድዩ ኣነስ ዝረክበካዩ ዝመስለንሎ ታይ ሪኢና ኢናሞ ክንቅበሎ መስዋእትካ ይድፍኣንዋ ጎይታዋይ😢😢😢😢😢😢😢😢
ብሰላም ዕረፍ ጅግና😢😢😢😢😢
ጀጋኑ ትግራይ ብስ ይማር😭😭😭😭😭😭😭😭😭
😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢😢
ኣየ ዓለም ሃይልሽይ 😭😭😭😭😭😭😭😭💔💔
😭😭😭😭😭😭😭❤